ጅቡቲ፣ ሓድሽ ወደብ ዶራለ ኣገልግሎት ክጅምር’ዩ

ጅቡቲ፣ ሓድሽ ወደብ ዶራለ ኣገልግሎት ክጅምር’ዩ

Radio Erena: Radio Erena: 26 May 2017

Port Doraleh

ኣብ ጅቡቲ፣ ብቻይና ክህነጽ ዝጸንሐ ሓድሽ ውደብ ዶራለ ብ24 ግንቦት ተመሪቑ ንኣገልግሎት ድሉው ከምዝኾነ ኣገልግሎት ዜና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብሮቡዕ 24 ግንቦት ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ ስርዓት፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣምባሳደር ቻይናን ተረኺቦም።

ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ነቲ ወደብ ዝሃነጸ ሃገራዊ ኩባንያ ቻይና፣ ሁ ጂኣንሁ፣ ኣብቲ ናይ ምምራቕ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምኽፋት እቲ ሓድሽ ወደብ፣ ንጎረባብቲ ሃገራት ስሉጥ ናይ ካርጎ ኣገልግሎት ክህብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እቲ ኣብ 2014 ክህነጽ ዝጀመረ ዶራለ፣ ክሳብ’ዚ ዝተዛዘመሉ ዕለት 421.7 ሚልዮን ዶላር’ ዝወድአ ኮይኑ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብቻይና ዝተሃንጸ ዝዓበየ ናይ ወደብ ፕሮጀክት’ዩ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብደላ መሓመድ ኣብ ጅቡቲ ወግዓውይ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰሉስ 23 ግንቦት ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታዉ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሶማልን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ምትእትታው ጎረባብቲ ሃገራት፣ ከምኡ ድማ ኣበርክቶ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር እስማዒል ዑመር ጉለ ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ምብጻሕ ፕረዚደንት ሶማል ናብ ጅቡቲ፣ መቐጸልታ ናይቲ ናብ ጎረባብትን ምስ ሶማል ምትእስሳር ዘለወን ሃገራትን ጀሚርዎ ዘሎ ዑደት ምዃኑ፣ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ንምክያድ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ እኳ እንተእተወ፣ ሓደ ካብ ሚኒስተራቱ ኣብ ሞቛድሾ ድሕሪ ምቕታሉ ግና፣ ዑደቱ ኣቛሪጹ ኣብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ዓረብን እስላምን ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ሶማል፣ ናብ ኣብዚ ቀረባ ናብ ቀጠር ከምርሕ’ዩ።

===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0