ጃፓን፣ ድሕነት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝርከቡ ዜጋታታ ንምውሓስ፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ናብ ጂቡቲ ልኢኻ

Radio Erena: 29 November 2021

ጃፓን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነታት፣ ድሕነት ዜጋታታ ንምውሓስ፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ናብ ጂቡቲ ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ደረጃ ዝልዓለ ሓደጋ ዘለወንን ዘይውሑሳትን ሃገራት ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለዝበጽሐ፣ ኩሎም ዜጋታቱ ብህጹጽ ክወጹ ከምዝጸውዐ’ውን ማዕከን ዜና ጃፓን ታይምስ ኣቃሊሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብ26 ሕዳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋ፣ ጃፓን ንዜጋታታ ብህጹጽ ንምውጻእ፣ ሰራዊት ናብ ጂቡቲ ክትልእኽ ከምዝወሰነት እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ኣቐዲመ’ውን ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዜጋታተን ብህጹጽ ንምውጻእ ኣብ ዘድልየሉ እዋን፣ ኣብ ጂቡቲ ብዝርከብ ሓይልታተን ምድላዋት ከምዝገበራ በብወገነን ሓቢረን’የን።

ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣሻቓሊ እናኾነ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ካብታ ሃገር ብዝቐልጠፈ ክወጹ ተደጋጋሚ ጻውዒት የካይዳ ኣለዋ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0