ጃፓን፣ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንመጀመርያ እዋና ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ

Radio Erena: 23 November 2016

Japan

ጃፓን፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከምዘዋፈረት ኤምባሲ እታ ሃገር ካብ ጁባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ ሳልስዚ’ዚ ጃፓን ዘዋፈረቶ ሰራዊት፣ ብረት ዝዓጠቐን ነብሰ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ዝወስድን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እታ ሃገር ድሕሪ ተዋጋኢ ሰራዊት ከተዋፍር ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንመጀመርያ እዋና’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ 2011 ኣትሒዙ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዝተጠርነፈ ኣስታት 300 ወትሃደራት ዘለዎ ሰራዊት ጃፓን ተዋፊሩ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ህንጻ ትሕተ ቅርጺን ምህንድስናን ጥራይ’ዩ ክነጥፍ ጸኒሑ።

 እዚ ከም መተካእታ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ታ ሃገር ዝጸንሐ ሰራዊት ዝዋፈር ዘሎ ሓድሽ ኣሃዱ ጃፓን ግና፣ ገዛእ ነብሱን ሲቪላዊ ዕላማታትን ንምክልኻል ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ዝተፈቕዶ’ዩ።

ብመሰረት’ቲ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣመሪካ ብዝተነድፈ ቅዋም ጃፓን ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ኣህጉራዊ ጉዳያት ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣይፈቕድን’ዩ።

እንተኾነ ጃፓና ኣብዚ እዋን፣ዚ ነቲ ንልዕሊ 60 ዓመት ክትክተሎ ዝጸንሐት ኣካይዳ ብምቕያር፣ ኣብ ኣህጉራዊ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስት ክትነጥፍ ትርአ ኣላ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተጠረነፈ ሰራዊት ከተዋፍር እንከላ፣ ኣብ ጅቡቲ ድማ ኣብ ሓለዋ ንግዳዊ መራኽብ ዘገልግል መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ውጥን ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0