ጂቡቲ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝፍጸም ተጻባኢ ምትእትታው ኣፍደገ ከምዘይትኸውን ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 15 November 2021

ጂቡቲ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝፍጸም ተጻባኢ ምትእትታው ኣፍደገ ከምዘይትኸውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ጂቡቲ፣ መዓስከር ለሞንየ ዝርከብ፣ ‘ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ ዝተሰምየ ፍሉይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጀነራል ዊልያም ዛና፣ ኣብቲ ዞባ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ሓደገኛ ክስተት፣ ዜጋታት ሃገሩ ንምድሓን፣ ድሉዋት ምህላዎም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምስ ገለጸ’ዩ።

ድሕሪ መግለጺ ጀነራል ዛና፣ ‘ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝካየድ ምትእትታው ኣመሪካ፣ ግዝኣት ጂቡቲ ከም ኣፍደገ ከገልግል ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታታት ከምዝተራእየ ዘመልከተ ሚኒስተር ማሕሙድ፣ ጂቡቲ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ዝምድና ጥቡቕ ስለዝኾነ ከጋጥም ከምዘይክእል ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣነጺሩ።

ጂቡቲ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ስትራቴጅያዊ ዝምድና፣ ንካልኦት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ንምእታው ከምዘይኮነ’ውን ኣስሚርሉ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ መዓስከር ለሞንየ፣ ኣስታት 4 ሽሕ ሰራዊት ከምዘለዋ ይግለጽ።

ካብ 2002 ኣትሒዛ ንመዓስከር ለሞንየ ብክራይ ክትውንኖ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ዝተሰማምዐት ኣመሪካ፣ ንወደብን መዓርፎ ነፈርትን ጂቡቲ ንመናሃርያ መራኽብን ነፈርትን ኵናት ክትጥቀመሉ ይፍቀደላ’ዩ።

እቲ መዓስከር ኣቀዲሙ፣ ናይ ሰራዊት ፈረንሳ ዝነበረ ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ ንደሓር’ውን ፈረንሳ፣ ከም ኣካል ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን መሻርኽቲ ኣመሪካን ትጥቀመሉ’ያ።

ስእሊ፣- ሚ/ጉ ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕመድ ዓሊ ዮሱፍ (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0