ጂቡቲ፣ ንኢትዮጵያ፣ ናብ ዝሰድድ ዝቐንዐ፣ ናጻ ኣገልግሎታት ወደብ ክትህብ’ያ

Radio Erena: 15 April 2020

ጂቡቲ፣ ንኢትዮጵያ ናብ ሰድድ ዝቐንዐ፣ ናይ ካርጎ ኮንተይነራት ዝራገፈሉን ዝጸዓነሉን ተርሚናልን ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ዘጠቃለለ ኣገልግሎታት ወደብ ብናጻ ክትህብ ምዃና በዓል መዚ ኣገልግሎታት ወደብ ጂቡቲ ብ14 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ሓሙስ 16 ሚያዝያ ግብራዊ ዝኸውን ውሳነ፣ ን60 መዓልታት ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ምስዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝተሓሓዝ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ድሕሪ’ዚ 60 መዓልታት፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ብሉእ ዓቕሙ ንንግዲ ክፍት ክኸውን ተስፋ ኣሎና ክብል ኣቦ መንበር እቲ በዓል መዚ ኣቡበከር ዑመር ሓዲ ገሊጹ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ መግቢን ሃለኽቲ ነገራትን ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝተሃገረ ብማሕበራዊ ሜድያታት ክጋዋሕ ንዝቐነየ ሓበሬታ ሓሶት ምዃን ዝሓበረ እቲ ኣቦ መንበር፣ ጂቡቲን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕውነታውን ስትራቴጅያዊን ዝምድና ንምርግጋጽ ወትሩ ምስ ጸዓረት ምዃና ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ንሰድድ ኣብ ዝቐንዐ፣ ኣገልግሎታት ወደብ ጂቡቲ ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ናይ 82% ምጉዳል ታሪፍ ከምዝተገብረላ ገሊጻ’ላ።

ኢትይጵያ ድሕሪ’ቲ ምስ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ 1998 ኵናት፣ ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ ጥራይ’ዩ ተደሪቱ ዝርከብ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0