ጂቡቲ፣ መበል 42 ኣኼባ ማሕበር ፓርላማ ሃገራት ኣፍሪቃ ተኻይዱ

Radio Erena: 28 November 2019

መበል 42 ኣኼብ ማሕበር ፓርላማ ሃገራት ኣፍሪቃ ፣ ትማሊ ሓሙስ 28 ሕዳር ኣብ ጂቡቲ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣኼብ፣ ኣባላት እቲ ማሕበር ካብ ዝኾና 41 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ኣባላት ፓርላማ ተሳቲፎም።

ፓርላማ ወይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘይብላ ኤርትራ፣ ኣባል እዚ ማሕበር ኣይኮነትን።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣባል እዚ ማሕበር ዘይኮነት እንኮ ሃገር’ውን ኤርትራ’ያ።

እቲ ማሕበር ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ተሞክሮታት ፓርላማ ሓድሕደን ንምልውዋጥን ትካላዊ ቅርጺ መንግስታት ኣፍሪቃ ንምሕያልን ካብ ዝብል ዕላማ ኣብ 1976 ዝቖመ ኮይኑ፣ ኣብ 2016 ድማ ተሓዲሱ።

ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ መበል 42 ኣኼባኡ ድማ፣ ብዘይካ ኣባላት ሃገራት፣ ወከልቲ ቀጠርን ቱርኪን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዕዱማት’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0