ጂቡቲን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወፍሪ ወደብን ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ዘትየን

Radio Erena: 02 June 2022

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ወደብን ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን ከተውፍር መንግስቲ ጂቡቲ ዕድመ ኣቕሪቡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዕድመ ዘቕረበ፣ ብሓላፊ ወደብን ናጻ ናይ ንግዲ ዞባን፣ ኣቡባከር ዑመር ሓዲ ዝምራሕ ወኪል ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ብ31 ግንቦት ምስ ሰበ ስልጣንን ኣውፈርቲን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ኣራብ ኒውስ ንኣቡባከር ሓዲ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ሓድሕደን ዘካየድኦ ናይ ንግዲን ወፍሪን ልውውጥ፣ ኣብ 2021፣ ኣስታት 1.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ኔሩ።

ንሱ፣ ነዚ ብዝያዳ ንምዕባይ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ንመላእ ኣፍሪቃ ከም ኣውራ ኣፍደገ ከገልግል ከምዝኽእል ዝጠቐሶ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ከተውፍር ተላብዩ።

ካብቲ ንወፍሪ ዘቕረቦ ጽላታት፣ ኣገልግሎታት ባንክ፣ ሎጂስቲክ፣ ምህናጽ መጻረይ ነዳዲ ካልእ ምስኡ ዝተተሓሓዘ ኢንዱስትሪን ይርከቦ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ እትሃንጽ ከምዘላ እትገልጽ ጂቡቲ፣ ንሓያሎ ኣብ ንግዲን ወፍሪን ቅድሚት ዝሰጎማ ሃገራት ተመሳሳሊ ዕድመ ተቕርብ ምህላዋ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣገንዚበን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ኣገልግሎቱ ንኢትዮጵያን ንወትሃደራዊ መዓላ ሓያሎ ሃገራትን ጥራይ ተሓጺሩ ዘሎ ወደብ ጂቡቲ፣ ናይ ወፍሪ ዕድላቱ ንምዕባይ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣብ ምህናጽ ይርከብ።

እቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ካብ 2020 ኣትሒዙ፣ ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕዳጋን ንግዲን ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዝህልዎ’ዩ መንግስቲ ጂቡቲ ዝገልጽ።

እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ሃዋሁውን፣ እቲ ዝህነጽ ዘሎ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ከምቲ ዝተገመቶ ኣድማዒ ክኸውን ከምዘይክኣለ ይንገር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0