ጀርመን ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ከይተእቱ መንግስቲ ኤርትራ ጸዊዑ

ጀርመን ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ከይተእቱ መንግስቲ ኤርትራ ጸዊዑ

Radio Erena: 28 October 2018

parlam_germanyሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ንኤርትራ ብዝምልከት ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ንነውሕ ግዜ ኣንጻር ኤርትራ ሒዙዎ ዝጸንሐ መርገጺ’ዩ ዘንጸባርቕ፣ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ከሲሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣቢሉ ትማሊ ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ነቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ዘቕረቦ ጸብጻብ ድሕሪ ምንጻግ፣ ጀርመን ካብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ምእታው ክትቁጠብ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ ንፓርላማ ጀርመን ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጻወቶ ተራ ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ዝኾነ ምምሕያሽ ይኹን ለውጢ ከምዘየርኣየ ጠቒሱ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ጀርመን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓያሎ መዳያት ምትሕብባር ተጸሚዳ ከምዘላ ብምዝኽኻር፣ ካብ ጸጥታ ሶማል ክሳብ ጉዳይ ፈለግ ናይል ናይ ግብጺ ዝዝርጋሕ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባዊን ምትሕግጋዝ ትገብር ከምዘላ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ብድሆታት ገና ዘይፈተሖ’ኳ እንተኾነ፣ ስትራተጂ ሓንጺጹ መስርሕ ብመስርሕ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ከምዘለዉ ግና ይገልጽ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ከም ቀንዲ መቆጻጸሪ ሕብረተሰብ ጌሩ ሒዙዎ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት እውን እንተኾነ፣ ገና ብሰፊሑ ይቕጽሎ ከምዘሎን፣ ናይ ምምሕያሽ ኣንፈት ከምዘይረኣዮን ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምላሹ፣ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምትእትታው ከቋርጽ ኣለዎ ክብል የተሓሳስብ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0