ጀርመን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ብኻራ ከቢድ ጉድኣት ዘብጽሐ ኤርትራዊ ብፖሊስ ይህደን ኣሎ

Radio Erena: 08 January 2023

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ባቡር፣ ብ03 ጥሪ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣብ ዝተላዕለ ኣምባጋሮ፣ ሓደ ኤርትራዊ ንካልእ ኤርትራዊ ብኻራ ከቢድ ጉድኣት ከምዘብጽሓሉ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልታ ዝተጓሃሃረ ባእሲ፣ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ ብካራ ተወጊኡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ዝጠቐሰ ፖሊስ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸም ካልእ ኤርትራዊ ድማ ይህደን ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ብካራ ዝተወግአ ኤርትራዊ፣ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ናይቲ ሆስፒታል መጥባሕቲ ተጌርሉ ብህይወት ከምዘሎ እኳ እንተተሓበረ፣ ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎ ከምዘሎ ‘ዩ ተገሊጹ።

ፖሊስ ጊሰን፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጥርጡር ኣብ ምርካብ፣ ህዝቢ ክተሓባበሮ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ከተማ ጊሰን፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ኣንጻር እቲ ስርዓት ዝቓወሙ መንእሰያትን ምትፍናን ክርኣየላ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር ጠንቂ’ቲ ዝተላዕለ ኣምባጋሮን ተፈጺሙ ዘሎ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ፖሊስ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበሉን።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ካናዳ፣ ከባቢ ካልጋሪ፣ ኣብ ዕለተ ልደት ፈረንጂ፣ ብሽጉጥ ንሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝቐተለ ኤርትራዊ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይህደን ከምዘሎ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0