ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ

Radio Erena: 09 November 2016

Tramp

ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ተመሪጹ።

ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ካብ ሰልፊ ሪፖብሊካን ብምዃን፣ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓሳት ብኣጸያፍን ነውርታት ዝበዝሖም መደረታት ዝልለ ዶናልድ ትሩምፕ፣ ካብ ህዝቢ ብዝተኣከብ ድምጺ፣ 276 ነጥቢ ብምርካብ ክዕወት እንከሎ፣ ተወዳዳሪቱ ካብ ሰልፊ ዶሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ከኣ 218 ነጥቢ ረኺባ።

48 ሚእታዊት ካብቲ ድምጹ ዝሃበ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ ንዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ክኸውን ክመርጽ እንከሎ፣ እቲ 47 ሚእታዊት ከኣ ንሂላሪ ክሊንተን ኣድሚጹ።

እቲ ዝተረፈ ድምጽታት፣ ካብ ሰልፊ ሊበራል፣ ሓምላይ ሰልፍን ካልኦትን ንዝተወከሉ ሕጹያት’ዩ ተዋሂቡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ተዓውቲቱ ዘሎ ወዲ 70 ዓመት ዶላንድ ትሩምፕ ኣብ 20 ጥሪ 2017 ስልጣን ብወግዒ ተረኪቡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ክግዕዝ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0