ዶባት ኬንያ፤ ሶማልን ኢትዮጵያን ክኽፈት እዩ

Radio Erena: 14 May 2023

ንኬንያ፤ ሶማልን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶባት ንምኽፋት ዝዓለመ ሓድሽ ፕሮጀክት ተጀሚሩ።
ነ’ዘን ሰለስተ ጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽበን መስመራት ዶብ፤ ብሰንኪ ኣልሸባብ ዝፈጠሮ ጸጥታዊ ውሕስነት ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ።
ኣብቲ ብሓሙስ 11 ግንቦት ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ማንደራ ዝተኻየደ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት እቲ ፕሮጀክት፤ ምኽትል ፕረዚደንት ኬንያ ሪጋቲ ጋቻጓ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ምኽፋት ዶባት’ዘን ሰለስተ ሃገራት ንምድንፋዕ ማሕበረ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዓቢ ተራ ክህልዎ’ዩ ኢሉ።
ኮሚሽነር ናይቲ ነዚ ፕሮጀክት ዝመወለት ዓባይ ብሪጣንያ ጀይን ማሪዮት ብወገና ኣብቲ ቦታ ተረኺባ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ኬንያ፤ ሶማልን ኢትዮጵያን ጥሩፍ ጉጀለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ዘርኣዮኦ ምትሕብባር፤ ጸጥታኡ ዘውሓሰ ምኽፋት ዶባት ዕዉት ንምግባር ከምዘይእግመን ገሊጻ።
ኬንያ፤ ነቲ ኣል ሸባብ ብተደጋጋሚ ዝጥሕሶ ዝነበረ ዶባት ማንደራ፤ ላሙ፤ ዋጂርን ጋሪሳን ኣብ 2012 እያ ዓጽያቶ።
ጉጅለ ኣል ሸባብ ዶብ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣማኢት ኪሎሜትራት ብምእታው እውን መጥቃዕታት ከምዝፈጸመ ይዝከር።
ብሪጣንያን ኬንያን ናይ ጸጥታን ስለያን ምትሕብባር ክገብራ ምስምመዐን ሓደ መዓልቲ ድሒሩ ዝጅምር ዘሎ ፕሮጀክት ምኽፋት ዶባት ኬንያ፤ ሶማልን ኢትዮጵያን፤ ብፍላይ ንህዝብታት’ቲ ከባቢ ዕዙዝ ረብሓ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0