ዳግም ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ዘስግኣ ኡጋንዳ፣ ን42 መዓልታት ተወሳኺ ዕጽዋ ኣዊጃ

Radio Erena: 08 June 2021

ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዳግም የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኡጋንዳ ን42 መዓልታት ዝጸንሐ ተወሳኺ ጽኑዕ ዕጽዋ ኣዊጃ።

ድሕሪ’ቲ ብሰንበት 06 ሰነ፣ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ዘሕለፎ ኣዋጅ፣ ካብ ሰኑይ 07 ሰነ ኣትሒዙ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ ጸሎት፣ ኣብያተ ኮማዊ ርክባትን ህዝቢ ዝተኣኻኸበሉ ኣጋጣሚታትን ን42 መዓልታት ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።

ንኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳያት እንተዘትኮይኑ፣ ህዝቢ ብጻዕቒ ከይንቀሳቐስን፣ ኣብ ቀብሪ ኮነ መርዓ ካብ 20 ዘይበዝሕ ሰብ ጥራይ ክሳተፍን መምርሒ ኣውጺኣ ዘላ ኡጋንዳ፣ ህዝቢ ነዚ ብዘይምኽባሩ ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ እንተዛይዱ፣ ዝበኣሰ ምዕጻው ክህልዉ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ኣብተን መጀመርያ ብብዝሒ ዝተራእየለን ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሳላ፣ ዝተተግበሩ መምርሒታትን ክታበትን እናጎደለ ክመጽእ እንከሎ፣ ስርዓተ ክታበተ ኣብ ዘየተኣተተወት ኣፍሪቃ ግና ብኣንጻሩ ከይከውን ስክፍታ ሰብ ሞያ ጥዕና’ዩ።

ኣፍሪቃ፣ እታ ዝሓሸት በዚ ቫይረስ ዘይተጠቕዐት ኣህጉር እኳ እንተኾነት፣ ብኣንጻር እዚ ድማ እታ ዝወሓደ ህዝቢ ዝተኸትበላ’ያ።

ሓንቲ ካብተን ውሕዱ መጠነ መልከፍቲን ሞትን ኣብ ዝመዝገበተ ኤርትራ’ውን፣ ድሕሪ ምፍዃስ ዕጽዋ ዝወጸ ሕጋታት ምግታእ ኮረና ቫይረስ ይጠሓስ ብምህላዉ፣ ዘሻቕል ምዃኑ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኡጋንዳ፣ ልዕሊ 40 700 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ ናይ ልዕሊ 334 ሞት ድማ መዝጊባ ኣላ።
====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0