ደንማርክ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ጀርመን ንዘለዋ ናይ ባቡር መጓዓዝያ ንግዜኡ ደው ኣቢላቶ

ደንማርክ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ጀርመን ንዘለዋ ናይ ባቡር መጓዓዝያ ንግዜኡ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena : 11 September 2015

den Ger

ደንማርክ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ካብን ናብን እታ ሃገርን ጀርመን ንንዘሎ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ንግዜኡ ደው ከምዘበለቶ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ብዘይካ’ዚ ብኣቶቡሳት ክመጹ ንዝክእሉ ስደተኛታት ንምዕጋት’ውን፣ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

መብዛሕቶም እቶም ብኢጣልያን ግሪኽን ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት፣ ሓይሎ ሃገራት ኤውሮጳ እናቆራረጹ ብመንገዲ ጀርመንንን ደንማርክ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ይሕልኑ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

 

እንተኾነ ኣሽሓት ካብዞም ስደተኛታት ኣብ ደንማርክ’ውን ዑቕባ ንምሕታት ይተርፉ ብምህላዎም፣ ነታ ሃገር ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩላ ይርከብ።

መንግስቲ ደንማርክ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ሓደሽቲ ስደተኛታት ዝወሃብ ማሕበራዊ ረብሓታት ብፍርቂ ክጎድልን፣ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምሓዞም ግዴታ ቋንቋ እታ ሃገር ክመልኩን ዝብል ሓድሽ ሕግታት’ውን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ፣ ድሮ ኣብ ሊባኖስ ኣትዮም ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ደንማርክ ከይመጹ ዝጉስጉስ መደባት፣ ብቋንቋታት ዓረብን እንግሊዝን ኣብ ጋዜጣታት ሊባኖስ ከምዝዝርጋሕ ምግባሩ ተሃቢሩ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብምብራቕ ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዝልዓለ ናህሩ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እተን ሃገራት ኣብ ቸክ ሪፖብሊክ ከተማ ፕራግ ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ’ዮም።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0