ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ዩጋንዳ ኣጽዋር የእትያ

ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ዩጋንዳ ኣጽዋር የእትያ

Radio Erena: 02 December 2018

serawit debub sudanሰራዊት ደቡብ ሱዳን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተገዝአ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከእቱ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ብሕታዊ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ብዕለት 29 ሕዳር ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ እቲ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ዓጢቑዎ ዝተባህለ ኣጽዋር፣ ብዩጋንዳ ኣቢሉ ከምዝኣተወ ሓቢሩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ምግባራ ይዝከር። እንተኾነ ካብ ቡልጋሪያ፣ ሩማኒያን ስሎቫኪያን ዝተሸመተ ኣጽዋርን ናይ ስለያ ነፈርትን ብዩጋንዳ ኣቢሉ ክኣቱ ከምዝጸንሐ’ዩ እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ዝገልጽ። 

ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝመደበረን ናይ እስራኤል፣ ብሪጣንያን ዩጋንዳን፣ ናይ ብሕቲ ትካላት፣ ኣብ ምስግጋር’ቲ ኣጽዋር ከምዝተሳተፋ’ውን ይግለጽ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ተኮስትን ተተኮስትን ኣጽዋር፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተካየደ ኲናት፣ ካብ ሰራዊት ሱዳን ዝተማረኸ’ዩ ክብል’ዩ መግለጺ ክህበሉ ጸኒሑ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0