ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝደሓኑ 43 ተጓዓዝቲ ሓደ ኤርትራ ምንባሩ ተፈሊጡ

Radio Erena: 23 March 2017

Plane Crash

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰሉስ 21 መጋቢት ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝደሓኑ 43 ተጓዓዝቲ እቲ ሓደ ኤርትራ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ጁባ ሓቢሮም።

እታ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ዝርከብዎም 49 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት፣ ብሰንኪ ደበና ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር፣ መሸራተቲ ብምስሓት ናብ መሬት ብሕማቕ ድሕሪ ምዕላባ፣ ብኡ ንብኡ’ዩ ትክን ሓውን ተወሊዑ።

እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርትን፣ ብምሉኦም ተሳፈርታ ብህይወት ከምዝወጹ’ዩ ተሓቢሩ።

ብዘይዝኾነ ጉድኣት ካብቲ ሓደጋ ካብ ዝደሓኑ 43 ተጓዓዝቲ፣ እቲ ሓደ ኤርትራዊ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ሓደ ቻይናውን 41 ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ንግዲን ወፍርን ዝንቐሳቐሱ ኣሽሓት ኤርትራውን ከምዘለው ይፍለጥ።

እታ ኣንቶኖቭ 26 ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ኣብ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ዋኡ ንምዕላብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ነፋሪት፣ ብምሉኦም ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ብዘይ ከቢድ ጉድኣት ክድሕኑ ሳሕቲ ምዃኑ ዝሓበሩ ሰራሕተኛታት ሲቪል ኣቭየሽን ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ፍጻሜ ተኣምር ክብሉ ገሊጾሞ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0