ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ሞንጎ ተጻረርቲ ሓይልታት ብዝተኻየደ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 09 August 2021

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ብምክትል ፕረዚድንት ሬክ ማሻር ዝምርሑ ዕጡቓትን፣ ብሌተናት ጀነራል ሲሞን ጋትወች ዱዋል ዝምርሑ ሓይልታት ብዝተኻየደ ግጭት ኣስታት 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

እቲ ብ7 ነሓሰ፣ ኣብ ዞባ ላዕለዋይ ናይል፣ ማጀኒስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተኻየደ ግጭት፣ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ስምምዕ ሰላም ደቡን ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ።

ኣፈኛ ሬክ ማሻር፣ ሓይልታቶም 27 ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ክገልጹ እንከለዉ፣ ወሃቢ ቃል ጀነራል ሲሞን ጋትወች ዱዋል፣ እቶም ዝተቐትሉ ካብ ወገን ማሻር ምዃኖም ኣመልኪቶም።

እቲ ግጭት፣ ሓደ ክንፊ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን፣ ሬክ ማሻር ካብ መርሒነት ናይቲ ውድብ ከምዝተኣልየን ብጀነራል ሲሞን ጋትወች ዱዋል ከምዝተተከአን ድሕሪ ዝተጋወሐ ሓበሬታ’ዩ ተጎሃሂሩ።

ነናቶም ሓይልታት ዘለዎም እዞም ክልቲኦም ፖለቲከኛታት፣ ኣባላት ሓደ ውድብ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ መንጉኦም ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0