ደቡብ ሱዳን፣ ኣሰር ኬንያን ኡጋንዳን ብምስዓብ ሰራዊታ ናብ ኮንጎ ከምእትልእኽ ገሊጻ

Radio Erena: 12 December 2022

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ንዝንቀሳቐሱ፣ ብመጋቢት 23 ወይ March 23 (M23) ዝፍለጡ ዕጡቓት ንምጥቃዕ ኣስታት 750 ወትሃደራት ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ሜጀር ጀነራል ሉል ሩዋይ ኩዋንግ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ እኹል ዕጥቂ ዘለዎ ኣሃዱ ናብ ኮንጎ ከዋፍር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እታ ሃገር ነዚ ትገልጽ ዘላ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ቅድሚ’ቲ ናብ ኤርትራ ምብጋሱ፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብምርኻብ ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ’ዩ።

ንባዕላ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ኣጽዋር እገዳ እትርከብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣሰር ኬንያን ኡጋንዳን ስዒባ ናብ ኮንጎ ሰራዊት ክትልእኽ ምውሳና፣ ኣብ ዓበይቲ ቀላያት ዞባዊ ግጭት ከየጎሃህር ተሰጊኡ ኣሎ።

ኬንያ፣ ኣስታት 900 ወትሃደራት ከትልእኽ ምኳና ክትገልጽ እንከላ፣ ኡጋንዳ ብወገና ኣስታት 1000 ኣባላት ዝሓቖፈ ሰራዊት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣዋፊራ።

ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ፣ ዞባ ኪቩ እትርከብ ከተማ ሩትሺሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት M23 ምስ ወደቐት፣ ንብረት ጽዒነን ናብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኣማኢት መካይን ኡጋንዳ ኣብ ዶብ ተዓጊተን ከምዘለዋ ‘ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኡጋንዳ፣ ምስ ዞባ ኪቩ ናይ ኮንጎ ዑሙር ንግዳዊ ልውውጥ እተካይደሉ፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ኣውራ መንገድታት ብምሉኡ ኣብ ሓደ ብምውዳቑ፣ ንቁጠባኣ ዝፈታተን ስግኣት ስለዝኾነ’ያ፣ ሰራዊታ ናብቲ ዞባ ክትልእኽ ተገዲዳ ዘላ።

ኬንያን ደቡብ ሱዳንን’ውን ብመንገዲ ኡጋንዳ ነቲ ናይ ንግዲ መስመር ክጥቀማሉ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምንቅስቓስ መጋቢት 23ኣትዩ ዘሎ፣ ኣብ ከባቢ ካኑንጉ ዝርከብ ዶብ ኢሻሻ ንምኽፋት፣ ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት ክጅምራ ትጽቢት ኣሎ።

ዕጡቓት ጉጅለ M23፣ ኣቐዲሞም ኣብ ወርሒ ሰነ፣ ምስ ኡጋንዳ ዘዋስን፣ ኣብ ከባቢ ኪቲጎማ ዝርከብ ዶብ ቡሳዛ ተቖጻጺሮሞ’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ንኹሉ’ቲ ናይ ንግዲ መስመራት ዓጽዩ፣ ንደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ቁጠባዊ ስግኣት ፈጢሩለን ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

‘ሰውራዊ ሰራዊት ኮንጎ’ ብዝብል ካልኣይ ስም ዝፍለጥ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ23 መጋቢት 2009 ዝተኸተመ፣ ዘይተዓወተ ስምምዕ ሰላም ኮንጎ’ዩ ብ M23 ወይ መጋቢት 23 እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ።

እቲ ጉጅለ ካብ 2012 ክሳብ 2013 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕታት፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ንዘለዎ ዞባ ጎማ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ይዝከር።

ብመንግስቲ ርዋንዳ ከምዝድገፍ ዝነገረሉ ዕጡቕ ጉጅለ M23፣ ድሕሪ’ቲ ብሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዝተገብረሉ ጸቕጢ፣ ምቁራጽ ቶዅሲ ኣዊጁ፣ ምስ መንግስቲ ኮንጎ ስምምዕ ሰላም ክገብር ከምዝደሊ ብምግላጽ ወትሃደራዊ ንጥፈታቱ ኣዛሕቲሉ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ገለ ክፋል እቲ ጉጅለ ኣብ 2017፣ ዳግማይ ኣብ ዞባ ጎማ ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳት ጀሚሩ።

ካብ ዓመት ናብ ዓመት መጥቃዕታቱ እናዕበየ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ሓሊፉ፣ ንዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ግጭት ክሸምም ናብ ዝኽእል ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ሰራዊተን ናብ ኮንጎ ምውፋረን፣ ደጋፊት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ምዃና ንዝንገረላ ርዋንዳ ስግኣት ኣሕዲሩላ ከምዘሎ ይትንተን።

እቲ እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎን ምትእትታው ጎረባብቲ ሃገራት ዝበዝሖን ግጭት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ርግኣት ንዝጸንሐ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ናብ ሓድሽ ጎንጺ ከየእትዎ ይስጋእ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0