ደቡብ ሱዳን፣ ተወሰኽቲ 150 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ክዋፈሩ

ደቡብ ሱዳን፣ ተወሰኽቲ 150 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ክዋፈሩ

Radio Erena: 18 May 2018

south sudan

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዞባ ዩኒቲ ተወሰኽቲ 150 ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ከዋፍር ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ኣህጉራዊ ውድብ ነዚ ዘፍለጠ፣ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዳግም ንምብርባሩ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምርኻቦም’ዩ።

ደቡብ ሱዳን ክልተ ዓመታት ድሕሪ’ቲ ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ዝኣወጀትሉ ዓመት ኣብ 2013 ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ምክትሉን ብዝተጓሃሃረ ግጭት፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ክቐዝፍ እንከሎ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ከኣ ካብ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ።

 

እቲ ግጭት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ብኢጋድ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ኣብ 2015 ተስፋ ሂቡ እኳ እንተነበረ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትግባረ ዝወዓለ ስምምዕ ግና የለን።

ኣብታ ሃገር፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ኣስታት 12 ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተዋፊሩ ይርከብ።

ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ንዝወርድ ዘሎ መጥቃዕታት ክገትእ ከምዘይክኣለ ይንገር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0