ደቡብ ሱዳን፣ ባይቶ ጸጥታ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ጸጥታዊ ውሕስነት ህዝቦም ከኽብሩ ጸዊዑ

Radio Erena: 15 July 2020

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ዝተሰማምዑሉ ናይ ጸጥታ ውዕል ከተግብሩ ጸዊዑ።

ባይቶ ጸጥታ ብሰኑይ 13 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣመሓደርቲ ዞባታት ተመሪጾም ግቡእ ስርሖም ክጅምሩ፣ ክጽውዕ እንከሎ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ክብል ዘኽእል ስጉምቲ ክወስድ ኣዘኻኺሩ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምምካት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝነኣድ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ባይቶ ጸጥታ ዘመልክት።

እንተኾነ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ክቐውም ዝነበሮ ሓጋጊ ኣካል’ቲ መንግስቲ፣ ክሳብ ሕጂ ስለዘይቆመ፣ እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ስርሑ ብግቡእ ኣይፈጸመን ክብል’ዩ ዝነቅፍ።

ሓያሎ ቀቢላታት ደቡብ ሱዳን፣ ካብ መንግስቲ ጸጥታዊ ውሕስነት ስለዘይጽበዩ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ካብ ዝፈስስ ዘሎ ኣጽዋር ዓጢቖም ብምህላዎም፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምክያድ እኳ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ 35 ሚእታዊት ቦታ ንደቀንስትዮ ክሓዝእ፣ ከምኡ’ውን መንእሰያት፣ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዘሳተፈ ቀዋሚ መንግስቲ ንክምስርት እውን ብመሰረት ዝኣተዎ ውዕል፣ ትጽቢት ይግበረሉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0