ደቡብ ሱዳን፣ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ብዙሓት ነጋዶን ሰበ ስልጣን መንግስትን ብምጥፍፋእ ኣማኢት ሚልዮናት ተኸሲሶም

Radio Erena: 25 September 2019

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ተፈጺሙ ብዝብሃል ብምጥፍፋእ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት፣ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ሓያሎ ነጋዶን ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገርን ተኸሲሶም።

‘ሰንትሪ’ ብዝተባህለ ትካል ዝቐረበ፣ 64 ገጻት ዘለዎ መርመራዊ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፣ በቲ ናይ ምጥፍፋ ገበን ተኸሲሶም ካብ ዘለዎ ሰባት፣ ስድራቤት ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ኣብ ንግዲ ከምዝተዋፈረ ዝንገረሉ፣ ኣባል ባይቶ ኬንያን ወዱ ንፕረዚደንት ነበር ኣራብ ሞይን፣ ጊደዎን ሞይን
ብገብረ ዝፍለጥ፣ ገብረመስቀል ተስፋማርያም ግደይ ዝተባህለ ኤርትራዊን ይርከብዎም።

ንሳቶም፣ ኣብ ጸዓት፣ ጽርግያ፣ ህንጻን ካልእን ወፍሪ ምስ ዘካይዳ ትካላት ብምትሕባብር፣ ነቲ ምጥፍፋእ ከምዝፈጸምዎ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝጠቕስ።

እቲ ኤርትራዊ፣ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ነጋዳይ፣ ናብታ ሃገር ንብረት ንምእታው 57 ሚልዮን ዶላር ብመልክዕ ልቃሕ ድሕሪ ምውሳዱ፣ ነቲ ንብረት ከምጽኦ ይኹን ነቲ ገንዘብ ክመልሶ ከምዘይክኣለ ሰነድ ‘ሰንትሪ” ይጠቕስ።

ሚልዮናት ገንዘብ ኣብ ምስግጋር ዝተዋስኣ፣ ከም ባንክታት ካርቱምን ቀጠርን’ውን፣ ከም ተሓባበርቲ ናይቲ ዝተጠፋፈአ ገንዘብ ተወቒሰን ኣለዋ።

ደቡብ ሱዳን፣ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት’ያ።

ኣብ 2011 ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ኣብዚ ሸሞንተ ዓመታት፣ ቢልዮናት ዶላራት ተጠፋፊኡ፣ ክሳብ ምኽፋል ደሞዝ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ’ያ በጺሓ።

ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሰንትሪ’ ብህቡብ ኣመሪካው ተዋሳኣይ ጆርጅ ክሉኒ ተመዊሉ ኣብ ዘካየዶ ናይዛ ሃገር መጽናዕቲ፣ ድማ ዝበዝሐ ምጥፍፋእን ብልሽውናን ዝፍጽሙ ኣካላት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ መንግስትን ነጋዶን ምዃኖም ኣስሚርሉ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0