ደቡብ ሱዳን፡ ብባጤራ ዶላር ዝግበር ዝነበረ ንግዳዊ ምልውዋጥ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ

Radio Erena: 14 February 2023

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ብባጤራ ዶላር ዝግበር ዝነበረ ንግዳዊ ምልውዋጥ ምሉእ ብምሉእ ደው ኢሉ፡ ብባጤራ ናይታ ሃገር ማለት ፓውንድ ጥራይ ክኸውን ትእዛዝ ሂቡ።

ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ዘይርጉእነትን መጠኑ ዝሓለፎ ዝቕባበ ባጤራን፡ ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ዝርከቡ ውልቀሰባትን ትካላትን ኣብ ዝገብርዎም ልውውጥ ብባጤራ ዶላር ክጥቀሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ኣውጺእዎ ዘሎ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ ይኹን ናይ ስራሕ ኩንትራት ብባጤራ ናይታ ሃገር ክካየድ ንማእከላይ ባንኪ ናይታ ሃገር ትእዛዝ ከም ዝተዋህበ፡ ሚንስተር ዜና ደቡብ ሱዳን ሚካኤል ማኩዊ ምስ መደበር ቴለቭዥን CGTN ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ኣውፈርቲ ወቐሳታት ይቐርብ ከም ዘሎን፡ ብኲናትን ዘይምርግጋእን ዓንዩ ዝጸንሐ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን፡ በዚ ስጉምቲ ብዝገደደ ክህሰ ከም ዝኽእል ዝተፋላለዩ ክኢላታት የጠንቅቑ ኣለዉ።

ብነዳድን ካልእ ባህርያዊ ጸጋታትን ሃብታም ምዃና ዝንገረላ ደ/ሱዳን፡ኣብ 2011 ነጻ ካብ ትወጽእ ጀሚራ፡ ብስእነት ውሽጣዊ ሰላምን ኲናትን ክትሕመስ ምጽንሓ ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0