ደቂንስትዮን ካብ ወጻኢ ሃገራት ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡን ናብ ታዕሊም ክወርዱ መጸዋዕታ ቀሪቡ

ደቂንስትዮን ካብ ወጻኢ ሃገራት ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡን ናብ ታዕሊም ክወርዱ መጸዋዕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 21 April 2015

womesawa

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክሳብ 65 ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣቦታት ከካይዶ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ታዕሊም፣ ኩለን ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ንዝዕድሚኤን ደቂንስትዮ ከምኡ ድማ ካብ ወጻኢ ተመሊሶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ 2 ካብ ሚእቲ ዝኸፈሉን ናብ ታዕሊም ክወርዱ ደጊሙ መጸዋዕታ ዘርጊሑ።

ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ንዝዕድምኤን ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ኣብ ገለ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ድማ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝግብአን ደቂንስትዮ ናብ ናይ ታዕሊም ቦታ ክወርዳ ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ኣቐዲማ ምሕባራ ዝፍለጥ’ዩ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ’ውን ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ከይተረፉ ናይ ሓደ ወርሒ ታዕሊም ክወስዱ ኣገዲዱ’ዩ።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ ብዓሎቕ ወረ ዘናፍስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ በንጻሩ ድማ ኩሉ ብረት ክዓጥቕ ዝኽእል ኤርትራዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ የገድድ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ከምዘሎን ድሕሪ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝኽእልን ገሊጹ’ዩ።

እንተኾነ ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ እቲ ንዓኣቶም ጥራይ ዝተዋህቦም መግለጺ፣ ወግዓዊ ኮይኑ ንህዝቢ ክንገር’ዮም ዝጠልቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጸጥታ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ይፍጽም ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0