ዮሮፖል፣  ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ንምግታእ ተበግሶ ክወስድ’የ ይብል

ዮሮፖል፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ንምግታእ ተበግሶ ክወስድ’የ ይብል

Radio Erena: March 6, 2014

europol

ዞባዊ ማሕበር ፖሊስ ኤውሮጳ- Europol ፣ እቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰቖቓ ኮይንዎም ዘሎ፣ ካብ ዶብ ኤርትራ ክሳብ ሲናይ ዝፍምጸም ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ተበግሶ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካ ኣጉራዊ ማሕበር ፖሊስ Interpol ዝኾነ ዞባዊ ማሕበር፣ ኣብ ሽወደን ብፋልይ ኣ ስዊዘርላንድን ጀርመንን ድማ ብሓፈሻ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሲናይ ተጨወዮም ንዝርከቡ ቤተሰቦምን መቕርቦን 10ታት ኣሽሓት ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ገንዘብ ዝልኣኸሉ ኣገባብ ደው ንምባሉን ተሓበበርቲ ናይቲ ምስግጋር ዝኾኑ ኣካላትን ድማ ኣብ ቀይዲ ዝኣትውሉ መንገዲ ንምንዳይ፣ ኤሮፖል ምስ ኢንተርፖል ብምስምማዕ ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

 

ዳይረክተር ኤሮፖል ሮብ ዌይንራይት፣ እቲ ዞባዊ ማሕበር ፖሊስ ካብ ኤውሮጳ ጀሚሩ ክሳብ ዞባ ሲናይ ኣብ ዘሎ ኩነታት ብምውህሃድ ከምዝነጥፍ’ውን ብሰሉስ 4 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምጥቓስ፣ ማዕከን ዜና ሽወደን ዘ ሎካል ጠቒሱ።

ግዳያት እዚ ካብ ዶባ ኤርትራ ክሳብ ሲናይ ተዘርጊሑ ዘሎ ምጭዋይን መሸጣን ደቂ ሰብ ዝኾኑ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስድራቤታት’ውን ብስም ኤሮፖል ብምጥቃስ ናብ ዝቐረቦም ፖሊስ ክሕብሩ እቲ ማሕበር ይምሕጸን።

ደላሎን ተሓባበርቶም፣ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዒላማ እናገበሩ ናብ ሲናይ ብምስግጋ ከምዝሸጥዎም ዘዘኻኸረ እቲ ማሕበር፣ እቶም ኣብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ስድራቤታቶም ድማ ንሓደ ሰብ ክሳብ 33 ሽሕ ዶላር እንተዘይከፊሎም ከሳቕይዎምን ክቐትልዎምን ምዃኖም ብቴሌፎን ከምዘፈራርሑ፣ መግለጺ ኤሮፖል የመልክት።

ብመሰረት ኮሚሽነር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ሰሲልያ ማልማስትሮም ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ ብመንገዲ እዚ ዘይሕጋዊ ኣገባብ እዚ 620 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ተሰጋጊሩ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0