ዩጋንዳ፣ ኢቦላ ንምቁጽጻር ሰዓታት እቶ እቶ ብሰለስተ ቅነ ተናዊሑ

Radio Erena: 06 November 2022

መንግስቲ ዩጋንዳ፤ ኣብታ ሃገር ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ንምቁጽጻር ዝኣዘዞ ምዕጻው ክልተ ዞባታት፤ ብሰለስተ ቅነ ክናዋሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ማእከላይ ዩጋንዳ ጀሚሩ ናብ ከተማ ካምፓላ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ዞባታት’ታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ኢቦላ፤ መንግስቲ’ታ ሃገር ‘ኣስጋኢ ኣይኮነን’ ኢሉ እኳ እንተነበረ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ከይከውን ሰጊኡ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ዛጊት ብውሑዱ 50 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፤ልዕሊ 150 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ፤ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጥዕና ዩጋንዳ ሩት ጀይን ኣሰንግ ንኤ.ኤፍ.ፒ. ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ ዞባታት ሙበንደን ካሳንዳን ንተወሳኺ 21 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ሰዓታት እቶ እቶ ክጸንሓ፤ ከም ባራት ዕዳጋታትን ቤተክርስትያናትን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ቦታታት ክዕጸዉ ምዃኖም ኣፍሊጣ።

ኢቦላ፤ ከም ረስኒ፤ ቃንዛ መላግቦታት፤ ቅርጥማት፤ ደም ዝተሓወሶ ውጽኣት፤ ተምላስ፤ ምንካይ ሸውሃት፤ ድኻምን ሰሓ ጎሮሮን ዝኣመሰለ ምልክታት ዘለዎ፤ ብቫይረስ ዝመሓላለፍን ውሽጣዊ መድመይቲ ብምዝዓብ ዝቐትልን ሕማም’ዩ።

ቫይረስ ኢቦላ፤ ከም ደም፤ ሽንቲ፤ ቀልቀልን ተምላስን ብዝኣመሰሉ ካብ ውሽጢ ዝትፍኡ ፈሰስቲ፤ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቀሊሉ ይመሓላለፍ።

ኣብ 2013 ከምኡ’ውን 2016 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘስፋሕፈሐ ኢቦላ፤ ልዕሊ 11 ሽሕን 300 ሰባት ቀቲሉ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0