ዩክሬይን ንፕረዚደንት ፑቲን ብድሮን ክትቀትል ፈቲና ክትብል ሩስያ ከሲሳ

Radio Erena: 04 May 2023

ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ፣ ክረምሊን- ቤተ መንግስቲ ሩስያ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፣ ንፕረዚደንት ብላድሚር ፑቲን ክትቀትል ፈቲና ክትብል ሩስያ ከሲሳ።
ብሰሉስ 2 ግንቦት፣ ኣብ ሰዓታት ምሸት፣ ንቤተ መንግስቲ ሩስያ ዕላማ ዝገበሩ ክልተ ድሮናት ከም ዘውደቐት ዝሓበረት ሩስያ፡ ዒላማ መጥቃዕቲ ዩክሬይን፣ ንፕረዚደንት ፑቲን ንምቕታል’ዩ ኢላ።
ብመሰረት መግለጺ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን፣ ንፕረዚደንት ፑቲን ንምቕታል ንዝተላእካ ድሮናት፡ ሓለውቲ እቲ ፕረዚደንት’ዮም ኤለክትሮኒካዊ ራዳር ብምጥቃም ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌሮመን።
ወሃቢ ቃል እቲ ቤተ መንግስቲ፣ ዲሜትሪ ፔስኮቭ ንመንግስታዊ መደበር ቴለቭዥን ናይታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ከም ዘይነበረን፡ ኣብ ህንጻታት ክረምሊን ዝወረደ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከም ዘየለን ሓቢሩ።
ዩክሬይን፣ ብዛዕባ’ዚ ብሩስያ ዝቐረበ ወቐሳ ዝኾነ ርእይቶ ክትህብ ከም ዘይትደሊ ኣፍሊጣ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0