የመን: ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝተጠቐዐ ህዝቢ ዘገልግል ሓገዝ ብህጹጽ ክለኣኽ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 20 August 2021

ኣብ የመን ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝተጠቐዐ ህዝቢ ዘገልግል ሓገዝ ብህጹጽ ክለኣኽ ጻውዒት ቀሪቡ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን ቲም ለንደርኪን፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ሃገራት ብዋሕዲ ቀረብ ተሸጊሩ ንዘሎ የመን ክዕንግል ዝኽእል ትሕዝቶ ስለዝወደአ፣ ለገስቲ ሃገራት ህጹጽ ፋይናንስያዊ ረዲኤት ከበርክታ ጸዊዑ።
ኣመሪካ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 3.6 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝገበረት ዘመልከተ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ተወሳኺ 165 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምብርካቱ ገሊጹ።
እንተኾነ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዘድልዮ ህዝቢ የመን፣ ምስ ምንዋሕ’ቲ ቅልውላው እንዳወሰኸ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ኣመሪካ በይና ክትሽፍኖ ከምዘይትኽእል ገሊጹ።
ኣብ የመን ክዕደል ዝጸንሐ ረዲኤት፣ ንመንግስቲ’ታ ሃገር ወይ ንሓይልታት ሑቲ ዝወሃብ ዘይኮነ፣ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቐጥታ ነቲ ሓገዝ ናብ ዝምልከቶ ህዝቢ የባጽሓ ከምዘለዋ ቲም ለንደርኪን ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ መርገጺ ወይከኣ ምቁጽጻር ስልጣን ዘይኮነ፣ እቲ ኣውራ ጉዳይ፣ ነቲ መዓልታዊ ዝመውት ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ረዲኤት ንምብርካት እዩ ክብል እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ የመን ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0