የመን ምስ ግብጺ፣ ብሪጣንያን ጃፓንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ተዘራሪባ

የመን ምስ ግብጺ፣ ብሪጣንያን ጃፓንን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ተዘራሪባ

Radio Erena: 22 December 2014

Yem Egy

የመን፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ መሬታን ባሕራን ብዝምልከት ምስ ግብጺ፣ ብሪጣንያን ጃፓንን ተዘራሪባ።

ብሚኒስተር ሰብኣዊ መሰላት የመን ዑዘዲን ኣልሰባሒ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ የመን ኣብ ግብጺ ዑደት ብምክያድ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሳመሕ ሹክርን ካልኦት ሰበ ስልጣናትን ኣብ ዝተዘራረበሉ፣ ኣብ የመን ዘሎ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ምዕባለታት ድሕሪ ምዝርዛር፣ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም’ውን ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ብወገኑ፣ መንግስቲ ሃገሩ ንሓድነትን ርግኣትን የመን ከምዝሰርሕ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ኩነታት ዝከታተል ሓባራዊ ኮሚቴ ምቛም ከምዘድሊ’ውን ኣስሚርሉ።

 

ኣብ የመን እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ኩነታት ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብኣሉታ ክጸሉ ይክእል’ዩ ዝብል ትንታነታ ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ የመንን ግብጽን ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተዘራረባ።

ኣቐዲሙ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገስጋስ ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ የመን ንቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ከይከውን ካብ ዝብል፣ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብዚ ጉዳይ ተበግሶ ክወስዳ ዝጽውዕ ደብዳቤ ናብ መራሕተን ከምዝልኣኸ ኣል ሞኒቶር ዝተባህለ ማዕከናን ዜና ግብጺ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ብሪጣንያን ጃፓንን ንመንግስቲ የመን ኣብ መዳይ ጸጥታ ክተሓባበርኦ ከምዝኽእላ ገሊጸን።

እዘን ብመንገኢ ቀይሕ ባሕሪ ገዚፍ ንግዳዊ ምልውዋጥ ዘካይዳ ሃገራት፣ ምስ የመን ኣብ ጸጥታዊ መዳይ ክተሓባበራ ምዃነን ዝገለጻ፣ ኣምባሳደራት ክልትኤን ሃገራት በብወገኖም ምስ ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት የመን ጃላል ኣል ሮዋይሻን ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን’ዩ።

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ የመን መሓመድ ሸኽ ዓብዱልጀሊል’ውን ኣቐዲሚ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሚኒስተር ምክልኻልን ምስ ዝርከብዎም ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተመሳሳሊ ዝርርብ ምክያዱ በብእዋኑ ብሬድዮ ኤረና ተጠቒሱ’ዩ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0