የመን፣ 31 ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸዓነት ጃልባ ጥሒላ

Radio Erena: 15 November 2022

ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተበገሱ ዝተገልጹ 31 ስደተኛታት ጽዒና፣ ብ30 ጥቅምቲ ዝተበገሰተ ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ክሊ ማይ የመን ከምዝጠሓለት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እታ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፣ ምስ ማዕበልን ኣኻውሕን ተራጺማ ድሕሪ ምጥሓላ ሰለስተ ሬሳ ክርከብ እንከሎ፣ ናይ 28 ሓተቲ ዑቕባ ሃለዋት ግና ኣይተፈልጠን።

እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ከምዝተበገሰት’ዩ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተበገሱ 54 ሽሕ ስደተኛታት፣ ንጂቡቲን የመንን ዘመዓዱ 50 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ሰንጢቕም ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ከምዝኣተዉ እቲ ትካል ሓቢሩ።

በዚ መንገዲ’ዚ፣ ናብ የመን ንምእታው ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ምዃኖም ጸብጻባ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0