የመን፣ ኣብ መንጎ ተቓወምትን መንግስትን ምምቕራሕ ካቢነ ሚኒስተራት ተኻይዱ

የመን፣ ኣብ መንጎ ተቓወምትን መንግስትን ምምቕራሕ ካቢነ ሚኒስተራት ተኻይዱ

Radio Erena: 28 October, 2014

new yemen

ሓድሽ ኣብ ዝቖመ መንግስቲ ሱዳን፣ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ካብ ዘለዉ ተቓወምቲ ሁቲ ሽዱሽተ ሚኒስተራት ተመዚዞም።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ካልድ ባሃህ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ የመን፣ ካብ ተቓወምትን ኣባላተ መንግስቲ ነበረን ብምትሕንፋጽ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዘቖመሉ እዋን፣ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ጽፍሕታት መንግስቲ ዝኾነ ሚኒስትሪ ነዳዲ እታ ሃገር ካብ ተቓወምቲ ሁቲ ንዝተወከለ ሚኒስተር ከምዝተዋህቦ’ውን ተሓቢሩ።

 

ከተማታት ሰንዓን ሖዴዳን ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሁቲ፣ ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪታት ፍትሒ፣ ጸዓትን ኤሌክትሪሲቲን፣ ሲቪላዊ ኣገልግሎታት፣ ባህልን ሞያዊ ስልጠናን ክመቓርሑ እንከለዉ፣ ናይቲ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ሰልፊ ከኣ ሚኒስትሪታት ሃብቲ ዓሳን ጥዕናን ዝርከቦም ትሽዓተ መናብር ካቢነ ሚኒስተራት ክውንኑ ክኢሎም።

ኣብቲ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ዝስምምዕ ዝኣተወ ንደቡብ የመን ንምንጻል ዝቓለስ ዝነበረ ካልእ ውድብ’ውን ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፣ መራኸቢታት፣ ዜና፣ ህንጻ፣ ንግዲን ሕርሻን ሽዱሽተ መናብር ካቢነ ሚኒስተራት ረኺቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ካልድ ባሃህ ኣብ ምቛም ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዝተሰማምዕሉ እዋን፣ እቲ ፕረዚደንት ሚኒስትሪታት ምክልኻል፣ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ወጻኢ ጉዳያትን ፋይናንስን ክሕዝኣሉ ብዘቕረቦ ጠለብ፣ እዚ ጽሕፍታት እዚ ንሱ ንዝመረጾም ኣባላት ካቢነ ክወሃብ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን፣ ንምምቕራሕ እቲ 34 ዝኣባላቱ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ድሕሪ ዝዘርግሖ ኮታ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ካቢነ እትውከል ውድብ ወይ ሰልፊ፣ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ካቢነ ክቕመጡ እትደልዮም ሰባት ከተቕርብ’ያ።

የመን ሓድሽ መንግስቲ ድሕሪ ምቛማ’ውን እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ዕጡቓት ሱና ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክቕጽል ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር የመልክቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0