የመን፣ ንምጥቃም ወደብ ሖደይዳ ብዝምልከት ሓድሽ ዘተ ክጅምር’ዩ

የመን፣ ንምጥቃም ወደብ ሖደይዳ ብዝምልከት ሓድሽ ዘተ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 25 November 2018

huti and unፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን፣ ብዛዕባ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ብዝምልከት ካብ ክልቲኦም ወገናት ዘተባብዕ ተስፋ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

እቲ ብማርቲን ግሪፊዝ ዝተመርሐ ልኡኽ፣ ብዕለት 24 ሕዳር ምስ መራሒ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ ኣብ ከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምርኻቡ፣ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት የመን ከምዝተራኸበ ገሊጹ።

ልዕሊ 14 ሚልዮን ካብ ህዝቢ የመን ኣብ ደረጃ ዓጸቦ ወሪዱሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ወደብ ሖደይዳ ቀንዲ መተሓላለፊት ረዲኤት ኮይና’ያ ጸኒሓ። እንተኾነ ኣብታ ከተማ ብዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኲናት፣ ኣገልግሎት ረዲኤት ተዓናቒፉ ብምህላዉ፣ ህዝቢ’ታ ሃገር ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ ኣስካሕካሕቲ ናይ ጥሜት ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ይግለጽ።

መራሒ ኣልሑቲ፣ መሓመድ ዓሊ ኣልሑቲ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣‘ፕረዚደንት መንሱር ሓዲ፣ ንእማመ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክቕበል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ሓይልታት ሑቲ ዕጥቆም ከውርዱ ኣብ ዝብል መትከሉ እንተጸኒዑ፣ እቲ ሓድሽ ክጅምር ተስፋታት ኣርእዩ ዘሎ ዘተ ሰላም፣ ግብራዊ ኣይክኸውንን’ዩ ክብሉ’ዮም ተቓወምቲ እታ ሃገር ዝገልጹ።

ኤርትራ እትርከቦ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ደብዳብ ነፈርቲ ከካዪድ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፣ ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ የመን ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0