የመን፣ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብ2 ወርሒ ተናዊሑ

Radio Erena: 05 June 2022

ኣብ የመን ዝጸንሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደውን ናይ ምባል ስምምዕ፤ ብክልተ ወርሒ ክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ’ቲ ውድብ ኣብ የመን ሃንስ ግሩንድበርግ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፤ እቲ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንክልተ ወርሒ ምንውሑ፤ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ዓቢ ኣንፈት ዝህብ እዩ ኢሉ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፤ ምኽፋት መስመር ጽርግያ ጣይዝ፤ ምጅማር ናይ መጎዓዝያ ነፈርቲ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እኳ እንተኾነ፤ ብዝያዳ ግና፤ ብሰንኪ’ቲ ኲናት፤ ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ቁጽሪ ብፍርቂ ኣጉዲሉዎ ምጽንሑ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ የመን ብቐጥታ ኢድ የእትየን ዘለዋ ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት፤ ነዚ ምንዋሕ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብሓጎስ ተቐቢለንኦ ኣለዋ።

ወደብ ሖደይዳ ንረዲኤት ክፉት ዘይምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እኹል ጸቕጢ ኣይገበረን ብምባል ነቐፌታ ዘቕርብ ህዝቢ የመን፤ ናይ ሰላም ኣንፈት ክርእይ ምጅማሩ ተስፋ ረኺቡ ኣሎ።

እንተኾነ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ጥራይ ዘይኮነ፤ ዘተ ሰላም ተጀሚሩ ብግቡእ እንተዘይተሰላሲሉ፤ እዚ ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ ዝኾነ እዋን ክጠሓስ ከምዝኽእል፤ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር የጠንቅቑ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0