የመን፣ ቁጽሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክብ ይብል

Radio Erena: 08 September 2019

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ብዘካየዶ ደብዳብ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብዝተኻየደ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ዛጊት ናይ 130 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበ፣ ኣብታ ሃገር ዝነጥፍ ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ገሊጹ።

ወሃብ-ቃል’ቲ ኣህጉራዊ ትካል በሺር ዳውራኒ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወ ህንጻ ዝተቐብሩ ብዙሓት ስለዘለዉ፣ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክብ ክብል ከምዝኽእል ገሊጹ።

እቲ ኣብ ግዝኣት ዳማር ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ኮሌጅ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣልሑቲ ነቲ ከባቢ ምስ ተቖጻጸሮ እዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቀዪሩዎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝደብደበት እያ ትገልጽ።
እንተኾነ እቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ልዕሊ 170 ሰባት ተኣሲሮምሉ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም፣ ዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲን፣ ንምምሕዳር ኣልሑቲ ዝነቐፉ ሰላማውያን ሰባትን ዝተዳጎኑሉ ምዃኑ ይንገር።

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ 40 ብከቢድ ዝቖሰሉ ሰባት ከምዘዕቆበ፣ ዝተረፉ ግና ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድል ከምዘይብሎም ሓቢሩ።

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ነናተን ወገናት ሒዘን ኣብ የመን ኲናት ኣብ ዘካዪዳሉ ዘለዋ እዋን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 16 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0