ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስፍሕፋሕ ወትሃደራውያን ሓይልታት ዓለም ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 21 May 2019

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሃገራት ዓለም ወትሃደራዊ ህላዌኤን ዘስፋሕፍሓሉ ዘለዋ ዞባ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ፣ መጽናዕታዊ ትካል ኣህጉራዊ ሰላም፣ ብዝዘርግሖ ጽሑፍ፣ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ፣ ሰራዊትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስፊረን ከምዘለዋ ብምዝኽኻር፣ ብሕጂ’ውን ካልኦት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣሚቱ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝርከባ ሃገራት፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ጃፓንን፣ ኣብ ጅቡቲ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ፣ ቱርኪ ኣብ ሶማልያ፣ ናይ ድሮን ኣሃዱ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቱርኪን ሩስያን ኣብ ሱዳን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

ብዘይካ’ዚ ከም ሩስያ፣ ህንዲን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም መደብ ከምዘለወን ይግለጽ።

ቀይሕ ባሕሪ ሓደ ካብቲ ንግዳዊ ርክባት፣ ጎሮሮ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኣገዳሲ ክፍሊ ማይ ዓለምና’ዩ።

እዚ ዞባ ካብ ሽበራን ሸፋቱ ባሕርን ናጻ ንምግባሩ ተባሂሉ፣ ሓያላን ሃገራት ዓለምና ናይ ውግእ መራኽበን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ናይዚ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ከምዘዋፍራ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሃራ፣ ብሰንኪ ብዘስፋሕፍ ዘሎ ሽበራ፣ ከም ፈረንሳ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ሰራዊተን ኣብዚ ዞባ’ውን ብቀዋምነት ኣዐስኪረን ይርከባ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0