ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከባቢ ከሰላ ካብ ዝተጨውዩ 14 ኤርትራውያን እቶም ሽዱሽተ ናጻ ወጺኦም

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከባቢ ከሰላ ካብ ዝተጨውዩ 14 ኤርትራውያን እቶም ሽዱሽተ ናጻ ወጺኦም

Radio Erena: 09 July 2015

6 free

ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ከባቢ ከሰላ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ሸገረብ እናምርሑ ካብ ዝተጨውዩ 14 ኤርትራውያን እቶም ሽዱሽተ ናጻ ወጺኦም።

እዞም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ናጻ ዝወጹ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ንምህዳን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዩ።

እቶም ተጨውዮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ሓፊር ዝተባህለ ከባቢ ብዕጡቓት ተታሒዞም ከምዝጸንሑ ፖሊስ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓሙስ 04 ሰነ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ብራስ ኣፍሊጡ።

49 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገረብ እተምርሕ ዝነበረት ዋንነት ትካል ስደተኛታት ሱዳን ዝኾነት ሎሪ፣ ብ4 ሰነ ብዕጡቓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወላን፣ እቶም 14 ድማ ተጨውዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ካብቶም ዝተጨውዩ 14 ኤርትራውያን ክልተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብአን ሸሞንተ ደቂንስትዮ’የን ኔረን።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ብዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒት፣ ጠጨውዮም ዝጸንሑ 47 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናጻ ከምዘውጽኡ’ውን ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዶብ ሊብያን ሱዳንን ኣብ በረኻ ቦጡቓት ተታሒዞም ዝጸንሑ 154 ስደተኛታት ዝሓለፈ ሰሙን ናጻ ከምዝወጹ ጸብጻብ ፖሊስ ሱዳን የመልክት።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብን ደላሎን ንምህዳን ወትሃደራዊት ስርሒት ኣብ ምክያድ’ዮም ዝርከቡ።

ሱዳን፣ ነዚ ንኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግዳይ ዝገበረ ንግዲ ደቂ ሰብ ደው ንምባሉ ሓድሽ ሕጊ ንምጽዳቕ ፍሉይ ቤት ፍርዲ እኳ እንተቖመት፣ ኣብ ግብሪ ግና ከምቲ ዝድለ ክዕወት ከምዘይክኣለ’ዩ ዝግለጽ።

ሓያሎ ሓይልታት ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሱዳን’ውን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኢድ ከምዘለዎም’ዩ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ።
====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0