ዚምባብዌ 179 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም መሊሳ

ዚምባብዌ 179 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም መሊሳ

Radio Erena: 19 March 2015

ethioZim

ዚምባብዌ 179 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም መሊሳ።

እታ ሃገር ነቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ 179 ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ትመልስ ዘላ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ፍርዲ ዚምባብዌ ንጉዳዮም ድሕሪ ምንጻጉ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ካብ ከተማ ሃራረ ሓቢራ።

እቶም ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝኣዘዘ ዳኛ ከተማ ሃራረ ተንዳይ ማህዌ፣ ንጉዳዮም ዝነጸገሉ ምኽንያት እቶም ኢትዮጵያ ዶባት ኣቛሪጾም ናብ ዚምባብዌ ኣብ ርእሲ ምእታዎም ብፖሊስ ኣብ ዝተታሕዝሉ እዋን’ውን ንመንነቶም ዝገልጽ ዝኾነ ሰነድ ስለዘይተረኽቦም ምዃኑ ሓቢሩ።

እቶም ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃራረ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ከምዝሃደሙ ብምጥቃስ፣ ኣብ ዚምባብዌ ዑቕባ ክወሃቦም እኳ እንተሓተቱ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ግና ንዘቕረብዎ ጥርዓን ነጺግዎ።

እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዚምባብዌ ዝኣተዉ ኢትዮጵያን ሰከ ኣብ ዝተባሀል ቁሸት’ዮም ዝሓለፈ ዓመት ብፖሊስ ተታሒዞም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፣ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ዶባት ኬንያን፣ ታንዛንያንን ዚምባብዌን እናቆራረጹ ናይ ስራሕ ዕድል ንምርካብ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ከምዝሕልኑ ዝፍለጥ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0