ዚምባብወ፣ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ፈሺሉ

ዚምባብወ፣ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ፈሺሉ

Radio Erena: 24 June 2018

assa_atempt mengaguaኣብ ዚምባብወ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ከምዝፈሸለ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ኤመርሰን መንጋጓ፣ ንምርጫ ጎስጓስ ኣብ ዘካዪደሉ ዝነበረ እዋን፣ መንነቶም ዛጊት ካብ ዘይተፈልጡ ሰባት ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመሉ ዝገለጸ ኣፈኛ መንግስቲ ዚምባብወ፣ እቲ ፕረዚደንት ብዘይወላሓንቲ መጉዳእቲ ከምዝወጸ ኣብሪሁ።

ወሃብ ቃል ፕረዚደንት ጆርጅ ካራምባ ኣብ መግለጺኡ፣ ምኽትል ፕረዚደንት ዝርከቦም ገለ ሰበስልጣናት መንግስቲ፣ ፈኲስ መጉዳእቲ ወሪዱዎም ኣሎ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተደጋጋሚ ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኤመርሰን ከምዝተኻየደ ገሊጹ።

ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብአን ሃገራት ዓለም፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፕረዚደንት ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ዝኹንን መግለጺ ኣውጺኤን ኣለዋ።

ዚምባብወ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ዕለት 30 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካዪድ ኣብ ምሽብሻብ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፣ ፕረዚደንት ኤመርሰን ቁጽሪ ደገፍቱ ንምዕባይ ጎስጓስ ኣብ ዘካዪደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ናይ ቅትለት ፈተነ ተኻዪዱሉ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0