ዘጽኣት ኤርትራ፣ ካብ ናኹራ ክሳብ ሖሎት

ዘጽኣት ኤርትራ፣ ካብ ናኹራ ክሳብ ሖሎት

Radio Erena: 10 April 2015

EriHol2     “ግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ንደቂ እስርኤል ተዛረቦም ከምዚ ከኣ በሎም። ምድሪ ናተይ’ያ ንስኻትኩም ከኣ ኣብኣ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ… ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም….ሓውኹም እንተደኸየ እሞ ምሳኹም ከሎ ኢዱ እንተሓጸሮ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻትኩም ይንበር።….ሓውኹም ድማ ምሳኹም ከሎ እንተደኸየ ርእሱ ኸኣ እንተሸጠልኩም ከም ባርያ ጌርኩም ኣይትግዝእዎ።”

መጽሓፍ ሌዋውያን

     እስራኤል ግና መን’ዩ? ሓው ኸ መን’ዩ?

      ኣስታት 1500 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሙሴ ዝተባህለ ነቢ ንእስራኤላውያ ካብ ባርነት ግብጺ፣ ፎርዖን፣ ሓራ ንምውጽኦም ኣብ ምድረ በዳ ሲና ኮለል- ሸንኮለ ምባሉ እናሻዕ እተደጋገመ ዛንታ ኣመንቲ ሰመቲካዊ ኣምላኽ’ዩ። ሙሴ ኣብቲ ዘመን እቲ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ናብታ “መዓርን ጸባን እተውሕዝ” ኢሉ ዝተመባጽዓሎም እስራኤል ንኸብጽሖም 40 ዓመታት ከምዝወሰደሉ’ውን ይዝንቶ። 

     ምስዚ ሕጂ ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ብሓገዝ በዳዊን-ራሻይዳ ናብ እስርኤል ዝበጽሕሉ መንጽር ግዜ ክንጥምቶ እንተኽኢልና፣ ሙሴ ማዕረ ክንደይ መኣዝን ዘየጽንዕን ኣንፈቱ ዝጠፍኦ ሰብኣይ ምንባሩን ክንትንትን ንኽእል ንኸውን። ምናልባት ሓደ በዳዊን ረኺቦም እንተዝነብሩ፣ በርብዓ መዓልታት ከሳግሮም ምኸኣለ። ዋላ’ኳ ኣይሁዳውያን ካብ ሲና ናብ ሲና ሸንኮለል ንኽብሉ40 ዓመታት ዝወሰደሎም ግዜ “ብልቦም ከይጠዓሱ’ሞ ናብ ግብጺ ከይምለሱ” ብፈጣሪ ዝተገብረ ውዲት’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾኑ።

     ንምዃኑ፣ እታ ብኣመንቲ ሰመቲካዊ ኣምላኽ ዝኾኑ እምነታት ኣይሁድ፣ ክርስትና፣ እስልምናን ባሃኢን ከም ቅድስትን ናይ ተስፋ ሃገርን እትጥመት እስራኤል፣ እዛ ኣብ 1948 ዝቖመት ሃገረ-ኣስራኤል ድያ? ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ እምነትን ታሪኽን ረጽምታት’ዩ።

     በዚ ኮይኑ በቲ ግና እዛ ካብ እትምስረት 67 ዓመታት ጥራይ ዘቑጸረት ሃገረ- እስራኤል፣ እታ ዝዓበየት ናይ ፖለቲካ ጭርጭር ዓበደ ካብ ምዃን ኣይበኾረትን። ብኣመንቲ ሰመቲካዊ እምነታት ‘ቅድስቲ’ እትስመ ሃገረ-እስራኤል ንብዙሕ ፖለቲካዊ ርኽሰት እዛ ዓለምና ጠንቒ ካብ ምዃን’ውን ኣይዓረፈትን።

     ኣብ እምነት ኣይሁዳውያን ንዘመናት ዓቢ ስፍራ ዝሓዘ ምቛም ኣይሁዳዊት ሃገረ-እስራኤል ብስነ ሓሳብ ቴዶር ሄዝል ተደፋፊኡ ኣብ 1948 ናብ ግብሪ ክሳብ ዝተሰጋገረሉ እዋን፣ ኣበየ ኩርንዓት ዓለም ዝነብሩ ኣይሁዳውያን ኣውያቶም ዘስምዕሉ ዝነበሩ ጸላም እዋን ሻቡ ተረሲዑ። ሰብ እዚ ረሳዒ ብዙሕ ዝተገፍዖ ረሲዑ፣ ብዙሕ እንተጋፍዐ፣ መባርይቲ’ንድኣሎም።

     እቲ ግዜ’ቲ ኤርትራ፣ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ እትበራረየሉ እዋን’ዩ ዝነበረ። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ገዛ መሬቶም ንመሰሎምን መሰል ርእሰ ውሳኔኦምን ሓርጎጽጎጽ ዝብልሉ ዝነበሩ እዋን። መግዛእቲ ኢጣልያ ናብ ጥራብሎስን ሞቛድሾን ንዘኽተቶም ኤርትራውያን፣ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጓና ክስደሱስ ይትረፍ፣ በንጻሩ ዕርድታቶም ብምርሕራሕ ናብ ዓድታቶምን ቁሸቶምን ዝሃድምሉ ዝነበረ ግዜ።

     መግዛእቲ ኢጣልያ ብመግዛእቲ ብሪጣንያ ምስተሳዕረ’ውን ሕቶ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ እናሓየለ ደኣ መጺኡ’ምበር፣ መግዛእቲ ብመግዛእቲ ብምትክኡ ክደቓቐስ ኣይተራእየን።

     ኣብ እዋን ምምሕዳር ብሪጣንያ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዓዱ ብዛዕባ ዋንነት ሃገሩን መሰሉን ኣብ ዝማጎተሉ ዝነበረ እዋን ከኣ፣ ኣበየ ኩርንዓት ዓለም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን’ውን ነታ ሃይማኖታዊ ድሕሪ ባይታ ዘለዋ ኣይሁዳዊት ሃገረ-እስራኤል ምስ ታሪኽ ብምትእስሳር ብዘመናዊ ፖለቲካዊ ኣምር ከም ሃገር ንምቛማ ኣውያቶም የስምዑ ነበሩ። ህዝቢታት ኤርትራን እስራኤልን ሃገርና እንብለን የድልያናየን ዝብልሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ።

Hol2

     ኤርትራ እትብሃል ሃገር ኣበየናይ ክፍሊ ዓለም ክትቐውም ምዃና ዘዛራብ ኣይነበረን። ኣይሁዳውያን ግና ብመሰረት ሃይማኖታዊ ድሕሪ ባይታ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፣ ንሩባታት ዮርዳኖስ፣ ኤፍራጠስን ጢግሪስን፣ ንእምባታት ጊልዓድን ጎላንን፣ ንባሕሪ ኤርትራ (ቀይሕ ባሕሪ) ብኣውርኡ ድማ ነታ ከም ቅድስቲ ከተማ እትቁጸር ኢዮርሳሌምን ካልኦት ጥንታውያን ከተማታትን ከም መወከሲ ናይ ታሪኽን እምነትን ብምውሳድ’ዩ ሃገረ-እስራኤል ንምቛማ ሓሳባት ዘቕረቡ።

     እስራኤል፣ ንሩዋንዳ፣ ኮንጎን ኡጋንዳን ኣብ ዘዳውብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት እንተቖመት ከ? ዝብል ሓሳብ ዝነበሮም’ውን ነበሩ። ምቛም ሃገረ-እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ከም ጽሉል ሓሳብ’ዩ ተወሲዱ። እንቋዕ ከኣ ከምኡ ተወስደ። እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ተመስሪታ ኔራ እንተትኸውን ነዞም ሕጂ ካብ ኣፍሪቃ መጺኦሙኒ እትብሎም ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ናበይ መበለቶም? ብኣውርኡ ድማ ንባዕላ ኣብቲ ንኣፍሪቃ ውሒጡ ዘሎ መከራ ተሸሚማ ምተረፈት።

     እዛ ሕጂ እንፈልጣ ካብ መሬት ፍልስጤም፣ ሶርያን ዮርዳኖስን ተጎዛዝያ ዝተመስረት ሃገረ- እስራኤል ከም ሃገር ጥራይ ዘይኮነት ከም ሓያል ሃገር ከቑማን ከም ሓንቲ ካብተን ብዴሞክራሲ ብኣብነት ዝጥቐሳ ሃገራት ከብቕዓን ዝኸኣለ ምኽንያታት ከ እንታይ’ዩ? ሓገዝ ምዕራባውያን ጥራይ ዶ ይኸውን? ሓያል ጻዕርን ቃልሲን ናይቶም ንምቛማ ዝሰርሑ ኣይሁዳውያን ዝፈጠሮ መሰረት ከ? ናበይ ክንጎስዮ።

     ንሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ንሰብ እምነት ገዲፍና፣ ክፍሊ ዓለማት፣ ኣህጉራትን ሃገርን ኣብ ጆኦ-ፖለቲካዊ ጥምቀትተን ጥራይ እንተወሲድና፣ ርክብ ህዝብታት ኤርትራን እስራኤልን ገዛእ ሃገራቶም ቅድሚ ምውናኖም’ዩ ዝጅምር። ኤርትራን እስራኤል ንዝቖመትሉ ክፍሊ ዓለምን እተመሓድር ዝነበረት ብሪጣንያ ምስ ምዃና ድማ እቲ ርክብ ናይ ብሪጣንያ ድሕሪ ባይታ ከምዘለዎ ኣየማትእን። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ንእሽቶ ኤርትራ ምስታ ብስፍሓት መሬት እተዓብያ ኢትዮጵያ ክትቑረን ክውሰን እንከሎ፣ ካብ መሬት ፍልስጤም፣ ዮርዳኖስን ሶርያን ተቖራሚሙ ድማ ንእሽቶ ሃገረ-እስራኤል ቆይማ።

     ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክውንኑ ብዝበሃጉ ኣይሁዳውያን መጀመርያ ብሓሳብ ደሓር ከኣ ብግብሪ ዝቆመት ሃገረ እስራኤል ግና በንጻሩ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክውንኑ ብረት ዘልዓሉ ኤርትራውያን ናብቲ “ስትራቴጂያዊ ጸላእየይ’ዩ” እትብሎ ዓረባዊ ዓለም ክዛዝውዮም ካብ ዝብል፣ ምስ ኢትዮጵያ ብምውጋን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ንኸይህልዎም ዝከኣላ’ያ ጽዒታ።

     ኤርትራ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ናበየናይ ደምበ ክትዛዙ’ያ? ዓቕሊ ብምጽባብ ካብ ዝተጸበያ ሃገራት እስራኤል ነበረት።

     ዘይሓሰብካዮ ርኸብ! ኣይመርገም ኣይምርቓ ድዩ ዝብሃል? ኣብ 6 ጥሪ 1993 መራሒ እቲ ቃልሲን ሓዳስ ሃገረ ኤርትራን ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ርእሲ ዓሶ ስለዘሰነፈቶ፣ ኣመሪካ ብዘዋደደትሉ ፍልይቲ ነፋሪት ብህጹጽ ኣብ እስራኤል ተራእዩ። ንእስራኤልን ኤርትራን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ‘ዩ ድማ ተባሂሉ። ንሞት ወይ ከኣ ንዕብዳን ዝተሓስበ ሕማም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስትራቴጅያውያን ጸላእቲ ኣዕራብ ዝተኸበት እስራኤል ትንፋስ መሊሱላ። ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እስራኤል ከኣ ንመራሒ እታ ሓዳስ ሃገር ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ከየጋየሹ ኣታሓሚሞሞ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኢሳይያስን እስራኤል ዛጊት ብጽኑር ዘይተሓበረ ምስጢራዊ ቃል ተኣታትዮም፣ ናብ ዓዱ ከምዝምለስ ጌሮም እናተባህለ ይውረ።

IsuIsrae

     ረፈረንዱም ኤርትራ ድሕሪ ምክያዱ፣ እስራኤል ካብተን ኣብ ኤርትራ ኤምባሲታተን ዝኸፈታ ቀዳሞት ሃገራት ኮነት። ኣብ ሕርሻን ካልእን ጽላታት ልምዓትን ዘተኮረ ፊናንስያውን ናይ ክኢላታትን ሓገዝ’ውን ንምብርካት ተጓየየት።

     እዚ ደኣ ይኩን’ምበር መርገጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓደ እዋን ናብ ኢራን ካልእ እዋን’ውን ብነዳዲን ፊናንስን ክሕግዝኦ ናብ ዝኽእላ ሃገራት ዓረብ ክገላበጥ ምዕዛባ፣ እስራኤል ምስ ኤርትራ ኣብ ሕቡእ ስልታዊ ዝምድና ጥራይ’ያ ክትጽመድ መሪጻ።

     እዛ ብዴሞክራሲን ጽንዓትን እትልለ ኣይሁዳዊት ሃገረ-እስራኤል ግና ነቲ “ምድሪ ናተይ’ያ ንስኻትኩም ከኣ ኣብኣ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ… ” ዝብል መሰረታዊ ሕጊ ኣቦታታ ረሲዓቶ’ያ። ኣይሁዳውያን ኣብ ታሪኹም እቶም ብስደትን ከልበትበትን ዝተፈልጡ ህዝቢ ክነሶም፣ ንስደተኛታት ከከላብቱን ከም ባርያ ጌሮም ክገዝኡን ይርኣዩ ኣለዉ። እሞ ኸኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ሓንቲ በደል ዘየብጽሓሎም ህዝቢ።

     ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝነብሩ ኣኽረርቲ ኣይሁዳውያን’ዩ። ብሰሪ ዝነበሮ ተሪር እምነት ምቛም ሃገረ- እስራኤል ኣብ 1946 ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ክእሰር ብምምሕዳር ብሪጣንያ ተወሲንሉ። ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንይ ዝነበረት ኤርትራ ጓንታናሞ ናይቲ እዋንቲ’ያ እትቑጸር ዝነበረት። ብኣኽራርነት ዝተጠርጠሩ ኣይሁዳውያን ናብ ኤርትራ እናተላእኩ ይእሰሩ።

     ኢጣልያውያን ገዛእቲ ንኤርትራውያን ንምቕያድ ዘቖምዎ ቤት ማእሰርቲ ናኹራ፣ ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ ንኣይሁዳውያን ተቐይሩ። ናይ ፈለማ ርክብ ኤርትራውያንን ምቛም ሃገረ- እስራኤል ዝምነዩ ኣይሁዳውያንን’ውን ኣብ ናኹራ ነበረ። እዚ ናይ ናኹራ ርክብ እብዚ እዋን’ዚ ናብ ቤት ምእሰርቲ ሖልት ግዒዙ ኣሎ።

     መበል ሻውዓይ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ይስሓቕ ሻሚር፣ ምስ ራብዓይ ርእሱ፣ ኣብ ብሪጣንያ ምስ ጽዮናውነት ብዝተሓሓዝ ናዕብን ናይ ቅትለት ፈተነን ኣካይድኩም ተባሂሎም ናብታ ናይ ኣፍሪቃ ጓንታናሞ ዝነበረትን ሕጂ’ውን ኮይና ኣላ እትብሃልን ኤርትራ፣ ተላእኩ። ንምቋም ሃገረ እስራኤል ኣምሪሮም ዝማጎቱ ዝነበሩ ይስሓቕ ሻሚርን ኣርባዕተ ብጾቱን ናብ ናኹራ ክእሰሩ ዝተላእክሉ እዋን፣ ንህላዌ ኤርትራ መርፍእን ፈትልን ዝለቓቕቡ ዝነበሩ ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ወልድኣብ ወልደማርያም፣ ገብረመስቀል ወልዱን መሓመድ ዑመር ቃዲን ኣብ ዋዕላ ቤት ገርግስ ዝተራኸበሉ ዓመት’ዩ – ዓመተ 1946።

shamir

     ናኹራ ንኣማኢት ኤርትራውያን ኣጓብዝ ዘድነነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ’ዩ። ካብ ናዅራ ክሃድም ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ’ውን ስለዘይነበረ፣ ካብዚ ብኣተሓሕዝኡ ፍሉይ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ንዘምለጡ ኤርትራውያን ‘ሰባር ናዅራ’ ዝብል ስም ዝና ይወሃቦም ነበረ። ይስሓቕ ሻሚር’ውን ነዚ ክብሪ’ዚ ዝበቕዐ ናይ መጀመርያ ኣይሁዳዊ እሱር ኣብ ኤርትራ ኮነ።

     ካብ ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ይስሓቕ ሻሚርን ኣርባዕተ ብጾቱን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ፣ መሽሎኺ ካናለታት ብምብሳዕ ካብ ናኹራ ከምዝሃደሙ ተሰምዐ። ንብሪጣንያ ብድሆ ንጽዮናውያን ድማ ዓወትን ተስፋን ነበረ። ሻሚርን ብጾቱን ካብቲ ሙቖቱ 48 ዲግሪ ሴንትግሬድ ይበጽሕ’ዩ ዝብሃለሉ ናኹራ ፈንጢሶም፣ ድሕሪ ናይ መዓልታት ናይ ኣጻምእ በረኻ ደንከል ሶማልን ጉዕዞ ግዝኣት ፈረንሳ ናብ ዝነበረት ሶማሊላንድ ዑቕባ ሓተቱ። እስራኤላውያን ዑቕባ ምሕታት ዝፈልጡ ህዝቢ ደኣ ነበረኡ እምበር ዑቕባ ምሃብ ዝተማህሩ ሲ ኣይኮኑን። ሰብ ረሳዒ’ዩ። እስራኤላውያ ድማ ሰብ’ዮም እሞ ታሪኽ ስደቶም ረሲዖሞ ኣለዉ።

     ይስሓቕ ሻሚር ካብ ናኹራ ድሕሪ ምህዳሙ ሓደ ዓመት ጥራይ ጸኒሓ እስራኤል እትብሃል ሓዳስ ሃገር ኣብ 1948 ቆይማ። ሻሚር ከኣ ካብታ ዑቕባ ሓቲቱ ብስደት ዝነብረላ ከተማ ፓሪስ ናብታ ሓዳስ ሃገሩ ኣምሪሑ። ክሳብ’ቲ ኣብ መበል 97 ዓመቱ ኣብ 2012 ብሞት ዝተፈልየሉ እዋን ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራይውን ስለያን ዕማማት እታ ሃገር ዝልዓለ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ክኸውን በቒዑ።

     ምትእስሳር ኤርትራን ይስሓቕ ሻሚርን ብነገረ ኣጋጣሚታት ዝተመልአ’ዩ። ኤርትራ ናጽነታ ቀረበያ-ቀረበ ኣብ ዝብሃለሉ ዝነበረ መወዳእታ 80ታት ይስሓቕ ሻሚር ዝልዓለ ስልጣን እታ ሃገር ተረኪቡ መበል ሻውዓይ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኮይኑ።

Shamir Natan

     ንሓደ ዓመት መመላእታ ዝተሓየረላ ናኹራን ከባቢኣ ደሴታት ዳህላክን ንእስራኤል ስትራቴጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ ካብ ዝብል ምጉት’ውን ምስቲ ዕርበቱ ዝቃረብ ዝነበረ ስርዓት ደርግ ንምርድዳእ ተበግሶታት ወሲዱ። ሻሚር ብገማግም ቀይሕ ባሕርን ደንካልያን ካብ ናኹራ ኣብ ዘምለጠሉ እኹል ወትሃደራዊ ትዕዝብቲ እቲ ቦታ ወሲዱ’ዩ ምባል ዘድፍር ኣይኮነን። ምናልባት ግና ንናኹራን ደሴታት ዳህላክን ከመሓድር ዕድል እንተዝረክብ ኣብ ናኹራ ዝእሰሩ ኣይምሰኣነን። ግና ኣይተዓወተን። ኤርትራ ቀዲማቶ ናጻነታ ረኺባ።

     ይስሓቕ ሻሚር ዝሞተሉ 2012 ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ እስራኤል ዝገነነሉ ዓመት’ዩ ዝነበረ። ነገረ ኣጋጣሚ ድማ ኣብቲ ዓመት እቲ፣ ክልተ እስራኤላውን ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝብል ሓድሽ ዜና ካብ ስለያ እስራኤልን ፈረንሳ ልሒኹ። “ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ ብዓይኒ ምስጢር’የ ዝሕዞ” ዝምካሕ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ስቕታ መሪጹ።

     ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሰንኪ ናይ ርእሲ ዓሶ ናብ ጥቓ ሞትን ዕብዳንን በጺሕሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ዘተሓመምዎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እስራኤል ኤፍሬም ስነህ ነበረ። ካብዚ ብዝነቀለ ድማ ምስቲ ፕረዚደንት ዝሓሸ ቅርበት ኣጥርዩ’ዩ ተባሂሉ ስለዝተኣምነነ ብመንገዱ ንምልቓቖም ጻዕርታት ተጀሚሩ።

     እቶም ክልተ እስራኤላውያን (ሓደ ወዲን ሓንቲ ጓልን) ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብንእሽቶ ናፋሪት ናብ ኤርትራ ዝኣተውሉ ምኽንያት “ንስለያ’ዩ” ዝብል ክሲ ካብ ኤርትራ ቀሪቡ።

     እስራኤል ድማ “ኣይፋሎምን። ተራ በጻሕቲ ሃገር ደኣ’ዮም። ነፋሪት ስለዝተበላሽወቶም ድማ’ዮም ኣብ ኤርትራ ብሃንደበት ክዓልቡ ተገዲዶም።” እቲ ክርክር ቀጺሉ።

     ኣብ መወዳእታ ድማ ብምትእትታው እቲ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኮይኑ ዝተመዘዘን ሕቡእ ኣባል ስለያ እስራኤል (ሞሳድ) ምንባሩ ዓሚ ቅድሚ ቅድሚ ሞቱ ዝተናስሐን ሮዠ ኦክ ናብ ዓዶም ክፋነዉ ክኢሎም።

     ምእሳርን ምልቃቅን እዞም ክልተ እስራኤላውያን ምስ ሞት ናይቲ ኣብ 1946 ኣብ ናኹራ ተሓይሩ ዝነበረ ይስሓቕ ሻሚርን ኣብ ሓደ ዓመት ምጥማሩ ንታሪኽ እዘን ሃገራት ከተኣሳስሩ ንዝደልዩ ወገናት ጽቡቕ ኣርእስቲ ኮነ።

     ይስሓቕ ሻሚር ኣብ መወዳእታ ዓመታት ዕድሚኡ ብሕማም ረሲዕ ተጠቂዑ መንነቱ ክሳብ ምርሳዕ በጺሑ’ዩ። ሕማም ረሲዕ ንሻሚር ጥራይ ዘይኮነ ንመብዛሕቶም ‘ቶም ዘመነ ስደት ዘሕለፉ እስራኤላውያን ኣጥቒዑዎም’ዩ ተባሂሉ’ውን ይሕጨጨሉ’ዩ።

     ይሳሓቕ ሻሚር ምእንቲ ድሌት ምቛም ሃገሩ ክቃለስን ክእሰርን እንከሎ፣ ኤርትራውያን ንናጽነት ኤርትራ ይቃለሱን ይእሰሩን ነበሩ። ይሳሕቕ ሻሚር ቀዳማይ ሚኒስተር ምስኮነ’ውን ኤርትራ’ውን ናጽነቶም ዝረኸቡ ህዝቢ ኮኑ። ሻሚር ኣብ ናኹራ ዘሕለፎ ፍጻሜታት ኣብ ፍሉይ ተዘክሮታት ናይቲ ሓደ ካብ ግኑናት መራሕቲ እስራኤል ተባሂሉ ተሰኒዱ ኣሎ።

     ዘጽኣት ኤርትራውያን፣ ካብ ሲና ናብ ሲና መኸተምታ እንተረኪቡ ድማ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ገጢምዎም ዘሎ መከራ፣ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፈርዩ መራሕቲ ፍሉይ ሰነድ ተባሂሉ ክዝንቶ ምዃኑ ኣይክተርፎን’ዩ።

     እንተ ህዝቢ እስራኤል ግና ነቲ “ምድሪ ናተይ’ያ ንስኻትኩም ከኣ ኣብኣ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ… ” ዝብል ሕጊ ካህናቶም ረሲዖሞ’ዮም።

     ተረሳሲዕኩም ኣየብለና! ዘዋሪት ብርዐይ ካልእ ኣርእስቲ ሓናጢጣ ኣብ ካልእ እዋን ክሳብ ንራኽበ ደሓን ቀንዩ።

 

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ
09 ሚያዝያ 2015

=================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0