ዘተ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ክፈትሑ ከምዘለዎም ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ገሊጹ

Radio Erena: 12 September 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ንምኽታምን ናብ ዘተ ሰላም ንምቕራብን ድሉው ዝኸውን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ምስ ዝፈትሑ ጥራይ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዝገልጸ፣ ህወሓት ምቑራጽ ቶዅሲን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላምን ከምዝቕበል ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ሚኒስተር ዴ’ታ ንሰላም፣ ታየ ደንደኣ፣ ነቲ ናይ ህወሓት መግለጺ ጽቡቕ ምዕባለ’ዩ ክብል እኳ እንተጠቐሶ፣ ዘተ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ክፈትሑ ከምዘለዎም ብትዊተር ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲን ኢትዮጵያ፣ ነቲ ናይ ህወሓት ተበግሶ፣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ንሰላም ክብሉ’ዮም ዝገልጽዎ ዘለዉ።

ኣቐዲሙ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ከምዘይቅበል ክገልጽ ዝጸንሐ ህወሓት፣ ኵናት ካብ ዝውላዕ ሳልሳይ ሰሙኑ ኣብ ዘቕጸረሉ እዋን’ዩ፣ ነዚ ሓድሽ መግለጺ ኣውጺኡ።

ህወሓት ኣቐዲሙ ክሕሰሞ ንዝጸንሐ፣ ብልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ዝተመርሐ ናይ ዘተ ንሰለም ዕድላት፣ ብሓያሎ ግንባራት ኵናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ብሃንደበት ከምዝቕበሉ ምግላጹ፣ ብዙሕ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

ኩሎም ወገናት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ጸብለልታ ከምዘለዎም፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይጠቕሱ እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ወትሃደራዊ ኩነታት ብናጻ ሳልሳይ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ወከልቲ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ጂቡቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ምስጢራዊ ዘተ ዛጊት ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0