‘ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ 24 ጥቅምቲ ክካየድ’ዩ’

Radio Erena: 20 October 2022

ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ 24 ጥቅምቲ ክካየድ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳይ ጸጥታ፣ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፣ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሃቦም ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ዘተ ሰላም፣ ን24 ጥቅምቲ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ’ዩ ዝተባህለ ዘተ ሰላም፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ግብራዊ ብዘይምዃኑ፣ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝጸዓቐ መልክዑ ቀጺሉ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃን መሻርኽቱን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ናብ ዘተ ሰላም ክቐርቡ፣ ቀዳምነት ክወስድዎ ዘለዎም ስጉምቲ ምቑራጽ ቶዅሲ ምዃኑ ተማሕጺኖም።

ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ሰላም ቅሩባት ምዃኖም፣ ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጹ፣ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ግና ኣይከኣሉን።

ሓደ ካብ መንጎኛታት ዘተ ሰላም ክኸውን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረቑሐ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ቅድሚ ቀጥታዊ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናት፣ ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስግሙቲ ክውሰድ ኣለዎ ብምባል፣ ኣብቲ ዝተመደበ ቀዳማይ እግሪ ዘተ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኔሩ’ዩ።

እዚ ንሰኑይ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ቀጥታዊ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፣ ግብራውነቱ ሕጂ’ውን ኣጠራጣሪ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0