ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን 89 ቆልዑ ጨውዮም

ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን 89 ቆልዑ ጨውዮም

Radio Erena: 23 February 2015

89Children

መንነቶም ዘይተነጸረ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ማላካል ካብ መዓስከር 89 ቆልዑ ከምዝጨወዩ ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ- Unicef ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ናብቲ ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተዓቝቦምሉ ዘለዉ ኣብ ማላካል ዝርከብ መዓስከር ገዛ ገዛ እናኣተዉ ካብ 12 ዓመት ዕድሚኦም ንላዕሊ ቆልዑ ከምዝወሰደ’ዩ እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዘመልክት።

 

እዚ ምጭዋይ ናይዞም ቆልዑ ምስቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣሎ ዝብሃል ክሲ ዕስክርና ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይግመት።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ይኹን ተቓወምቲ፣ ብዕስክርና ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ዮም ዝኽሰሱ።

ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ብረት ዝዓጠቑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዘለዋ ሃገር ምዃና’ዩ ዝግለጽ።

ብካልእ ወገን፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ክልቲኤን ሱዳንን ካልእ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝርርብን ንምክያድ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዕuደት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብዚ ናይ ኢማራት ዓረብ ዑደቱ ሚኒስተራት ምክልኻል፣ ፋይናንስ፣ ንግድ፣ ወፍርን፣ ዕዮን ከምኡ ድማ ናይ ቀረባ ኣማኸርቱን ሓለፍቲ ስለያን ኣሰንዮሞ ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0