ዕጡቓት ኦሮሞ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ልዕሊ 450 እሱራት ኣፍቲሖም

Radio Erena: 16 January 2023

ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ኣብ እትርከብ፣ ከተማ ከቡሌ ሆራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣማኢት እሱራት ከምዘፍትሐ መርበባት ዜና ናይቲ ክልል ሓቢረን።

ቢቢሲ ኢንተርናሽነል ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብዝሒ ናይቶም ዝሓለፈ ቀዳም ብዕጡቓት ዝተፈትሑ እሱራት ልዕሊ 480’ዩ።

እቶም ዕጡቓት፣ ነቶም እሱራት ንምፍታሕ ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት፣ ኣብ ሓለዋ ካብ ዝነበሩ ብውሕዱ ሓሙሽተ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ብመሰርት እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታ፣ በቶም ዕጡቓት ካብ ዝተፈትሑ እሱራት፣ ሓያሎ ኣባላት ኦነግ- ሸኔ ‘ዮም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ፣ ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ’ቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ኦነግ-ሸኔ’ዮም’ እናበለ ዝወቕሶም ዕጡቓት ኦሮሞን ሰራዊት ናይቲ መንግስቲ ሓያሎ ግጭት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ እቶም ዕጡቓት ንዝነበረ ሸውዓተ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ ድሕሪ ምግላጺ’ዩ፣ ምፍታሕ እቶም እሱራት በቶም ዕጡቓት ዝንገር ዘሎ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ’ውን ኣብ ከተማ ነቐምቴ ብዝካየዶ ተመሳሳሊ ስርሒት ልዕሊ 150 እሱራት ከምዘፍትሐ ጸባጽባት ይሕብሩ።

ስእሊ፡ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0