ዕጡቓት ቻድ ዶብ ሱዳን ሰጊሮም 18 ሰባት ምቕታሎም መንግስቲ ከሲሱ

Radio Erena: 10 August 2022

ዕጡቓት ቻድ፣ ዶብ ሱዳን ሰጊሮም 18 ሰባት ከምዝቐተሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።

እቶም ዕጡቓት፣ ብ4 ነሓሰ፣ ናብ ምዕራብ ዳርፉር ብምስጋር፣ ኣግማእል ንዝጓስዩ ዝነበሩ ሱዳናውያን ከምዝቐተሉ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ቻድ ብወገና፣ ኣግማሎም ብሱዳናውያን ዝተዘምትኦም ዜጋታታ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ’ያ ገሊጻ።

ምክትል ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ኣብቲ ዕለት ናብ ቻድ፣ ከተማ ንጄሜና ብምምራሕ ኣብ ጸጥታ ዶባት ብዝምልከት ምስ መራሒ እታ ሃገር መሓመድ ኢድሪስ ደቢ ከምዝተመያየጠ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢራ።

ዕጡቓት ቻድ ዶብ ሱዳን ሰጊሮም መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ዝግለጽ ዘሎ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ስልጣን ተረኩቡ ዘሎ መሓመድ ኢድሪስ ደቢ መንግስቲ ምስ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣብ ቀጠር ስምምዕ ሰላም ምኽታሙ’ዩ።

ኣብቲ ብመንጎኝነት ኣሚር ቀጠር፣ ብ8 ነሓሰ ዝተኸተመ ውዕል፣ 30 ዝኾኑ ተቓወምቲ ወገናት፣ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ’ዩ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፣ ንፕረዚደንት ነበር እድሪስ ደቢ ኣብ ኵናት ዝቐተለ ዝዓበየ ዕጡቓት ጉጅለ ኣብቲ ስምምዕ ኣይተጸንበረን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0