“ዕርቂ ሰላም ወትሩ እንምነዮን እንደልዮን ነገር እኳ እንተኾነ ኲሉ ጊዜ ርሒቚና ይርከብ።” ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ

“ዕርቂ ሰላም ወትሩ እንምነዮን እንደልዮን ነገር እኳ እንተኾነ ኲሉ ጊዜ ርሒቚና ይርከብ።” ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ

Radio Erena: 25 February 2019

ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ዘመንበረ ኣስመራ፣ ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፣ ዕርቂ ሰላም ወትሩ እንምነዮን እንደልዮን ነገር እኳ እንተኾነ ኲሉ ጊዜ ርሒቚና ይርከብ ክብሉ ምግላጾም መርበብ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣቡነ መንግስትኣብ ነዚ ዝገለጹ፣ ብምኽንያት እቲ ብ23 ለካቲት ዝተኸብረ፣ በዓል ኪዳነ ምሕረት ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት’ዩ።

እቲ መርበብ፣ ካብ ኣቡነ መንግስትኣብ ንዝተላእካ ጽሑፍ ብምዝርጋሕ ብዘቕረቦ ዝርዝራዊ ስብከት መሰረት፣ ዕርቂ ሰላም ስለምንታይ ኢና ዘይንረኽቦ እንተበልና ርድኢትናን ኣተሓሕዛናን ብቚዕን ቅኑዕን ስለዘይኮነ እዩ ክንብሉ እቶም ሊቀ ጳጳሳት ኣስሚሮም።

ዕርቅን ሰላምን ሓቀይናን ነባርን ክኸውን እንተኮይኑ፣- ብታህዋኽ፣ ብዓቐን ተለኪዑን ተጠማዚዙን ዝመጽእ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቡነ መንግስትኣብ፣ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ዕርቂ ማለት ከኣ ኣብ ናይ ልቢ ጸጸትን ጣዕሳን፡ ይቕረ ሓድሓድን ዝተመርኮሰ፡ ንፍትሒ ዘይጐሲ፣ ንተበዳልን ንበዳልን ዘሳትፍ፣ ንሕዝብን ንሃገርን ዝጠቅም፣ እግዚኣብሔር ዝተሓወሶ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ዝተወጽዑን ዝተገፍዑን ፍሉይ ትኲረት ዝህብ ክኸውን ኣድላዪ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ንኲሉ ዝምለከቶ ኣካል ዘየሳትፍ ከፊላዊ ዕርቂ፡ ጐዶሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደገይና እውን ስለዝኾነ ነባሪ ዘይኮነ ጊዚያዊ ፍታሕ ጥራይ እዩ ከምጽእ ከምዝኽእል ኣገንዚቦም።

ንሶም ብተወሳኺ፣ ንኲሉ ዝምልከቶ ኣካል ዘየሳትፍ ዕርቂ ሓንካስ ዕርቂ ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ሓቀይና ዕርቂ ከኣ ካብ መሰረታዊ ምትእምማን ሓድ ሕድ እዩ ዝብገስ ኢሎም።

ምትእምማን እንተዘየልቦ ናይ ዕርቂ ጒዕዞ ክጅመር ከምዘይክእል ብምጥቃስ፣ ኣብ ስድራቤት ኮነ ኣብ ጐረቤት፣ ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ሃገር፣ መጀመርታ ስጉምቲ ዕርቂ፣ ዝተበደለን ዝበደለን ሰላም እንተደለዩ ከምዝብገስ ኣተሓሳሲቦም።

በደለ በዲለ እሞ ይቕረታ፡ እኽሕስ እንተበለ! ዝተበደለ ከኣ ምብዳልስ ከም ሕሱም ተበዲለ እየ እሞ፣ ድኃን ምእንቲ እግዚኣብሔር፣ ምእንቲ ኣኅዋት፣ ምእንቲ ደቀይ፣ ምእንቲ ሃገር፣ ምእንቲ ፍቕሪ፣ እገድፎ ኣሎኹ እንተዘይበሉ ዕርቂ ክጅምር ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይዕርቂ ግን ሓቀይና ሰላም፣ ድልዱል ሓድነት፡ ፍርያም ምዕባለ ክንረክብ ኣይንኽእልን።

ኣቡነ መንግስትኣብ ብዘይካ’ዚ፣ “ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፣ እግዚኣብሔር ሰላም ኣበሲሩና፡ ምስጋናና ይብጽሓዮ፣” ድሕሪ ምባሎም፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ውሽጢና፣ ምሉእ ዕርቅን ሰላምን ክገብረልና ንኣምላኽና እናለመንና፣ ነቶም ዝጀመርኩምዎ ከኣ ክትቅጽልዎ ነተባብዕ ክብል ምዒዶም።

ገና ብዙሕ ኲራ፡ ብዙሕ ፍርሂ፡ ብዙሕ ቊስሊ፡ ብዙሕ ምፍልላይ፡ ብዙሕ ምጥርጣር፡ ብዙሕ ቊጥዓ፡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎና ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ እዚ ኲሉ ክሓዊ እንተኮይኑ፣ ምሉእ ሓድነትን ሓቀይና ምዕባለን ክርከብ እንተተደልዩ፡ መደብ ዕርቀ ሰላም ብዝቐልጠፈ ይበገስ። ንሱ እዩ እቲ እንኮ ፈውሲ። ክብሉ ደምዲሞም።

ኣብ መወዳእታ፣ ሓቀይና ምሕረት ወይ ይቕረታ፡ ምስ ፈጣሪ ካብ ዝተዓርቀ ሰብ እዩ ዝብገስ ድሕሪ ምባሎም ድማ፣ “ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፣ ሓቀይና ዕርቅን ምሕረትን ዘምጽእ ኪገብረልና ንማህለል።” ክብሉ ንህዝቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስእሊ፣- መርበብ ዜና ቫቲካን

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0