ዓጀብቲ ፕረዚደንታት ኡጋንዳን ግብጽን ተባኢሶም

Radio Erena: 23 December 2016

Guards

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣብ ከተማ ካምፓላ ድሕሪ ምእታዊ፣ ዓጀብቱ ምስ ዓጀብቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከምዝተባእሱ ማዕከናት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።

ዓጀብቲ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኡጋንዳ ብረቶም ሒዞም ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ ዓጀብቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ስለዝኸልከልዎም እቲ ባእሲ ከምዝተላዕለ ዘ ኡጋንዳ ዝተብሃለት ጋዜጣ ጠቒሳ።

እቲ ኣብ ሰብ ዝኾነ ጉድኣት ዘየብጽሐ ባእሲ ዓጀብቲ፣ ብምትእትታው ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝሃደአ ካልኦት ምንጭታት ዜና ኡጋንዳ ይሕብራ።

ብሰንበት 18 ታሕሳስ ኣብ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ባእሲ ዓጀብቲ ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብምስጢር ክተሓዝ ሓያል ጻዕርታት እኳ እንተተኻየደ፣ ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና ግና ብቪድዮ ብምስናይ ዘርጊሐንኦ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ጸግዒ ናብ ዘይሓዘት ኡጋንዳ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዘሎ፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ናብቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ።

ብዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ፣ ዲጋ ተሃድሶ ተቖጢዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ምስ ኢትዮጵያ ምትፍናን ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም ናብ ዝበሎም መራሕቲ የቋምት ምህላዉ ተንተንቲ የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0