ኣካያዲ ስራሕ ነበር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ተኸሲሱ

ኣካያዲ ስራሕ ነበር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ተኸሲሱ

Radio Erena: 07 February 2019

ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩበንያ ኔቭሰን ዝነበረ ክሊፍ ዴቪስ፣ ኣብ ካናዳ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብጡሮታ ተፋንዩ ዝርከብ ክሊፍ ዴቪስ፣ ኣመሓዳሪ ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ እቲ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን እናፈለጠ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ’ዩ ተኸሲሱ።

ኣብ ቫንኩቨር፣ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ23 ጥሪ ተጋብኡ’ዩ።

ልዕሊ ሓደ ቢልዮን መኽሰብ ከምዘእተወ ዝንገረሉ፣ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ከም ሰገን ዝኣመሰላ ናይ ህንጻ ትካላት ህግደፍ፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ንዝመጽእዎ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋሩ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት’ዩ ብኤርትራውያን ክሲ ተመስሪትሉ።

ኣብ ኤርትራ፣ ከባቢ ቢሻን ሰርብያን ዕደና ወርቅን ነሓሰን ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ብ1.8 ቢልዮን ዶላር ናብ ናይ ቻይና ኩባንያ ዢዚንግ ኣብ ምስግጋር’ዩ ዝርከብ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0