ዓዲ ሓሎ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ነፍሲ ወከፎም 10 ሽሕ ናቕፋ ተዋሂቦም

ዓዲ ሓሎ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ነፍሲ ወከፎም 10 ሽሕ ናቕፋ ተዋሂቦም

Radio Erena: 07 February 2019

ኣብ ዓዲ ሓሎ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፣ ነፍሲ ወከፎም 10 ሽሕ ናቕፋ መተባብዒ ተዋሂብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፣ ብፍሉይ ዝተዋህበ ብተዛማዲ ብርክት ዝበለ መተባብዒ ገንዘብ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፣ ንህይወት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ካብ ምስጋእ ዝተገብረ ሓለፋ ምዃኑ’ዮም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ዘመልክቱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ዝኽልክል ኣዋጅ ወጺኡ እኳ እንተሎ፣ እዚ ንኣባላት ናይታ፣ ካብ ተወርዋሪ እዚ፣ ናይ 525 ተዋጺኣ ኣብ ሓለዋ ናይቲ፣ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝርከብ መንበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዋፊራ ዘላ ኣሃዱ ዝተዋህበ ገንዘብ ግና ነዚ ዝጥሕስ’ዩ።

ብደረጃ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተታሒዞም ዘለው ኣባላት ሰራዊት፣ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ክሳብ 2023 ከምዘይጣየሱ ተነጊርዎም ከብቅዕ፣ ዝኾነ መተባብዒን ደጋፍን ከምዘይተገብረሎም ይፍለጥ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት፣ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረልኩም’ዩ ካብ ዝብሃሉ ጥራይ ካልኣይ ዓመቶም ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት፣ መንበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኮይኑ ዘሎ ዓዲ ሓሎን ከባቢኡን ጽዑቕ ሓለዋ ይካየደሎ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0