ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ’ቶም ኣብ ሶማል ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ

Radio Erena: 23 August 2021

ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፣ ናይ’ቶም ኣብ ከተማ ጎልወይን ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ።
ኣብ ውሽጢ’ቲ ዓቃብ ሰላም ተሓቚፎም ንመንግስቲ ሶማል ዝድግፉ ካብ ዘለዉ ሰራዊት ዩጋንዳ፣ ኣብ ሓለዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣባላት ኣልሸባብ ብዘበሩዎ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ እዩ እቲ ውግእ ጀሚሩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተቐትሉ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣባላት ኣልሸባብ እዮም ብምባል እዩ ክማጎት ጸኒሑ። እንተኾነ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣፈናዊ ናይ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ እቶም ሰባት ኣባላት ኣልሸባብ ኣይነበሩን ክብል ተኣሚኑ።
ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሶማልን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዋ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ብምቛም፣ መርመራ ክካየድ እዩ ጸኒሑ።
ብሰንኪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሰላማውያን ሰባት ዘጋጠመ ሓደጋ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዩጋንዳ እምነት ጎዲሉሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንሰራዊት ዩጋንዳ ኣብ ሶማል ንሰለስተ እብረ ዝመርሐ ሜጀር ጀነራል ብሕማም ከምዝሞተ ተገሊጹ።
ብመንግስቲ ሶማል፣ ‘ኣንበሳ ሞቓድሾ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዩጋንዳዊ ሜጀር ጀነራል ፖል ሎክ፣ ንክልተ ኣዋርሕ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታላት ካምፓላ ክእለ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።
ሜጀር ጀነራል ፖል ኣብ 2011-12ን ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጽዑቕ ኲናት ብመሪሕነት ደረጃ ብምግልጋል፣ ንዝበዝሐ ክፋል ሶማል ካብ ኣልሸባብ ናጻ ዘውጸአ መራሒ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0