ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ኤርትራ፣ ንሓራሳትን ዕሸላትን ዝውዕል ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 15 January 2021

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና ጽላታት ዘካይዶ ዘሎ ሓገዝ፣ ንሓራሳትን ዕሸላትን ዘገልግል ናውቲ ብሓገዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ ልዕሊ 800 ሽሕ ናቕፋ ዝተገመተ ሓገዝ፣ ክዳውንቲ ሓራሳት፣ መጎልበቢ ዕሸላትን፣ ንዕሸላት ዘድሊ ዝተፈላለየ ኣቝሑ ዝሓዘ ሳናጡን ዘጠቓለለ’ዩ።

እቲ ናውቲ፣ ካብ ርሑቐ ገጣራት ንዝመጻ ነፍሰ ጾራት፣ ኣብ ግዝያዊ መጽንሒ ሓራሳት ንዝእለያ ክዕደል’ዩ።

ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ፣ እቲ ሓገዝ ብ13 ጥሪ 2021 ንሚኒስትሪ ጥዕና ከምዘረከቦ’ዩ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ፣ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መሻርኽቲን ብምትሕብባር ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፣ መጠነ ሞት ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ኣብ እዋን ወሊድ ይጎድል ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
============

COMMENTS

WORDPRESS: 0