ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ ኣስታት 20 ዶላር ኣንቆልቝሉ

Radio Erena: 15 April 2020

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዕዳጋታት ዓለም ብኸቢድ ኣብ ዝወድቐሉ ዘሎ እዋን፣ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ ኣስታት 20 ዶላር ኣንቖልቝሉ።

ዋጋ ነዳዲ ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ከንቆልቑል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ እቲ ዝተሓተ ዋጋ’ዩ ኣመዝጊቡ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ’ውን ምምሕያሽ ስለዘየርኣየ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 25 ዶላር ተጸጋጊዑ ዝነበረ ሓደ በርሚል ነዳዲ፣ ናብ ኣስታት 20 ዶላር ተነቒቱ።

ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ማሕበር ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት፣ ነዚ ዋጋታቱ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ዕዳጋታት ምስ ኣታዊታተን ንምስትኽኻል፣ መዓልታዊ ዘፍርይኦ ነዳዲ ክቕንሳ ኣብ ምርድዳእ በጺሐን ኣለዋ።

ዝበዝሐ ነዳዲ ንዕዳጋ ዓለም እትቕርብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ንዝተሃስየ ቁጠባኣ ንምሕዋይ፣ መዓልታዊ እተፍርዎ 10 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ 12 ሚልዮን ክብ ከተብሎ ከምእትኽእል’ያ ኣንፊታ ኔራ።

እንተኾነ፣ ዋጋ ነዳዲ መመሊሱ ንቁልቁል ይንቆት ምስ ምህላዉ፣ ወሰኽ ፍርያተ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ኣዋጻኢ ከምዘይኮነን፣ ብኣንጻሩ፣ ሰደድ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ብ10% ክጎድልን’ዩ ማሕበር ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኣብ ምርድዳእ በጺሑ ዘሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0