ዋሽንግተን፣ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ይውደብ ኣሎ

Radio Erena: 04 November 2019

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ፣ ኣቡነ ኣንጠንዮስን ካልኦት ናይ እምነትን ፖለቲካን እሱራትን ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላዋት ይውደብ ኣሎ።

እቲ “መቓውሐይ ዘክሩ!” ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ ንዓርቢ 8 ሕዳር ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብመንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት ዝተጸውዐ ኮይኑ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝተኣኻኻቡ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ ትጽቢት ይግበር።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ካብ ማሕዪር ክፍትሑ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኣጋጣሚ መበል 74 ዓመት ምምስራት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ 24 ጥቅምቲ፣ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ውድብ ምክያዶም ይዝከር።

“እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብስም ኣቡነ ኣንጠንዮስ ደኣ ይጸዋዕ እምበር፣ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራት ዝውክል’ዩ” ክብሉ ካህን ናይታ ኣብ ኒውዮርክ እትርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብሪኤል፣ ቀሺ እስክንድር ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካን ኤውሮጳ’ውን፣ በብእዋኑ ተመሳሳሊ ሰልፍታት ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0